እቲ ዝኳዓት ዘሎ ሓድሽ ድፋዕ ኣብ ወረዳ ኣፍዴራ ስራፕ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ሓብሬታ።
እቶም ናብ’ቲ ዝተኹዓተ ሓድሽ ድፋዕ ስራፕ ክሰፍሩ ተጌሮም ዘለዉ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ እናተባሃለ ዝፅዋዕ ኮይኑ
ኣብቲ ተቓውሞ ክላዓል ይኽእል እዩ ብዝብል ስጋኣት ካብ ዞባ ኬሩ ወረዳ ድድጋ ኣምፂኡ ኣብቲ ድፋዕ ከምዘእተዎም እቲ
ዝበፀሐና ሓበሬታ ገሊፁ፣
ካብ ምክልኻል ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ከይወፃና ኣብ ማእኸላይ እዚ ናይ መበል 108
ኮር 33 ክፍለ ሰራዊት ሻዉዓይ ሬጅመንት ራብዓይ ሻምበል ካብ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣብ ሒደት መዓልቲታት ጥራሕ ልዕሊ 30 ዝኾኑ
ከም ዝኸድዑ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዜና ፈነወና እቶም ኣባላት ናይ ራብዓይ ሻምበል ወተሃደራት ናይ
መሰል ሕቶ ከየልዕሉን ከይሃድሙ ዝተገበረ ሓፁር እኳ እንተሃለወ።
ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ነቲ ንዕኦም መግትኢ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሓፁር እናፈገሩ እግሮም ናብ ዝመርሖም ይጥፍኡ ከም ዘለዉ ምግላፅና ይዝከር፣