ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ
ሰሜን ሽዋ ከተማ ደብረ ብርሃን ዝነብር ህዝቢ ብፖሊስ ወያነ ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ይጋሃስ ምህላዉ ምስ ገለፀ። ዜጋታት
ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ብፖለቲካዊ ኣረኣእየኦም ጥራሕ ይፈራርሑን ይእሰሩን ምህላዎም ኣረዲኡ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ናይቲ ወረዳ ኣባላት ፖሊስን ናይ ክልል ፈጥኖ ፌዴራል ፖሊስን ብምትእኻኻብ ኣብ ከተማ
ደብረ ብርሃን ቀበሌ 06 ቀጠና 4 ነባሪ ዝኾኑ ኣይተ ኣበበ በቀለ። ለይቲ ሰዓት 8 ካብ ገዝኦም እናጋፍዑ ናብ ቤት ማእሰርቲ
ብምውሳድ ከም ዝዳጎንዎምን ህዝቢ እቲ ከባቢ ስለምንታይ ትኣስርዎም ኣለኹም ዝብል ሕቶ እንተቕረበ ሰማዒ ከም ዘይረኸበ ተፈሊጡ፣
ኣይተ ኣበበ በቀለ ናብ ቤት ማእስርቲ ተወሲዶም ዝተኣሰሩ ብፖለቲካዊ
ኣረኣእየኦምን ኣባል ውድብ መኢኣድ ብምኻኖም ጥራሕ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንጋዜጠኛታት ፍኖተ ነፃነት ካብ ዝሃብዎ ሪኢቶ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ካድረታትን ፖሊሳትን ወያነ ንነበርቲ ከተማ
ደብረብርሃንን ካልኦት ከባቢታትን ሃገርና ብለይትን ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝን ህዝቢ ምፍርራሕ። ንፁሃን ዜጋታት ምግፋዕ፤
ምእሳርን ምቕታልን ልሙድ ዕለታዊ ተግባሮም ኮይኑ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ይገልፁ፣