Tuesday, February 5, 2013

ኣብ ክልል ኦሮሞ ከም መሳርሒ ኢህወዴግ ኮይኑ ከገልግል ዝፀነሐ ውድብ ኦህዴድ ናብ ሰለስተ ጉጅለታት ምግምምዑ ተፈሊጡ፣



ወሃብቲ ሓበሬታ ከም ዝበልዎ። ኣብዛሓ ዞባታት ኦሮሚያ ብፍላይ ምብራቕ ኦሮሚያን ዞባ ኣርሲን ዝርከቡ ኣባላት እቲ ውድብ። ናብ ሰለስተ ተኸፋፊሎም ባዕሎም ንባዕሎም እናተኻሰሱ ምዃኖም ድሕሪ ምግላፅ። መበገሲ እቲ ምግምማዕ ኣብ’ቲ ወድብ ብዝተፈጠረ ስእነት እምነት፤ ሙስናን ናብ ዉልቃዊ ጥቕምኻ ምጉያይን ዝወለድዎም ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   እዞም ኣመራርሓ ባዕሎም ንባዕሎም እናተባላልዑ ይርከቡ ኣለው ዝበለ እቲ ሓበሬታ። እቲ ኩነታት በቲ ዘለዎ እንተቐፂሉ ቀፃልነት እቲ ውድብ ከብቅዕ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር። ብደረጃ ዞባ ዝረአ ዘሎ ምግምማዕ ነቶም ዋና ኣመራርሓታት ኦህዴድ ኣብ ዉሽጢ ዝሓወሰ እዩ፣
  በዚ’ውን ኣብ’ዚ ሰሙን ዝካየድ ዘሎ ዕፁው ኣኼባ ኣብ ዙርያ ኣመራርሓ ዘትኮረ ገምጋም ናይ’ዚ ኣካል ምዃኑ እናተገለፀ እንትኾን። ኣብዚ ግዜ እቲ ውድብ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ምድኻሙ ዝገለፁ እዞም ምንጭታት። እቲ ምግምማዕ ክሳብ ወረዳ ልሒኹ ከም ዝርከብ ኣብሪሆም፣

ብተመሳሳሊ ኣጋር ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ዝኾነ ዉድብ ህወሓት ኣብ ምግምማዕ ምህላው ኣብ ዝሓለፈ ምግላፅና ዝፍለጥ ኮይኑ። እዚ ምግምማዕ ዉድባት ድማ። እቲ ስርዓት ካብ ህዝቢ ብዝገጠሞ ተነፅሎ ዉሽጣዊ ቅሳነት ከልእዎ ከም ዘሎ ዘርእይ እኹል ኣብነት እዩ፣