Thursday, May 9, 2013

ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሃገርና ግፍዒ ከዉርድ ዝፀንሐ ዘይስነ-ምግባራዊ ሆላንዳዊ በዓል ሃፍቲ ወቒዒኹም ተባሂሎም ልዕሊ 20 ኢትዮጵያውያን ተኣሲሮም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣፣



ኣብ ክልል ኦሮሚያ፤ ዞባ ምስራቅ ሸዋ፤ ወረዳ አና-ቦራ፤ ቀበሌ ማሊማ በሪ ዝርከብ ወዱ ንወናኒ ‘’ኢትዮጵያ ሼር ብሌን  ሕርሻ ዕምባባ’’ ዝኾነ  ጆን ባርኖር ዝተባሃለ ሆላንዳዊ ባዓል ሃፍቲ፤ ኣብ ትካሉ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዝኽተሎ ግፍዓዊ ስጉምቲ ተቖጥዖም ወገናት ነብሶም ንምክልኻል 7 ሚያዝያ ስለዝቐጥቀጥዎ፣ ነቲ መውቃዕቲ ተኸቲሉ 27 ሰራሕተኛታት እንትእሰሩ፣  ካብ መንጎኦም 7 ሰራሕተኛ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ተኣሲሮም ብዋሓስ እንትፍትሑ፤  እቶም 20 ግና ሕዚ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ፣፣
   ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተለቐቑ ተወካሊ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ትካል ዝኾኑ አቶ ሚሊዮን ባጫ ንሚድያታት ኣብ ዝገለፅዎ፤  እቲ ተወቒዑ ዘሎ ባዓል ሃፍቲ ኣብ ትካሉ ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ከም ወዲ ሰብ ዘይኮነ ዝኣልዮም ከም ኣድጊ እናጋፈዐን እናፀረፈን ዘዋርድ ክብሪ ሰራሕተኛታት ዝባሃል ዘይፈልጥ” ምዃኑ ኣረዲኦም ።
   ወገሐ ፀብሐ በቲ በዓል ሃፍቲ ክብሪ ዘዋርድ ፀርፍታት ዝመረሮ ሓደ መንእሰይ ነቲ ባዓል ሃፍቲ ምቕዑ ሲዒቡ ተመሊሱ፤ እቲ ባዓል ሃፍቲ ነቲ መንእሰይ ብዘስካሕክሕ ክወቕዖ ዝረኣዩ ሰራሕተኛታት ድማ ተናዲዶም ኣብ መገዛእ ሃገርና ብኸመይ ደምና የፍስሰናን ይረግፀናን ብምባል ነቲ ኣስራሒ ባዓል ሃፍቲ ከም ዝቐጥቀጥዎ ኣቶ ሚሊዮን ባጫ ወሲኾም ኣብሪሆም።
    እቶም ብገበን ነብሲ ምጥፋእ ተኸሲሶም ናይ ዉሕስና መሰል ተኸሊኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናዝሬት ታኣሲሮም ዝርከቡ 20 ሰራሕተኛታት፤ ናይ ደምወዝ፤ ናይ ስራሕ ውሕስናን ካልኦት ምምሕዳራዊ በደላትን ክስተኻኸል ሕቶታት ብምልዓል ከምኡ’ዉን እቲ ትካል ዝተኸልከሉ ቀዳማይ ደረጃ መድሓኒት ምጥቃሙ ኣቐዲሞም ክቃወሙ ምፅነሖምን፤ ብፍላይ ድማ እቲ ሓደገኛ ኬሚካል ንኸይጥቀም ሰራሕተኛታት ተቓውሞ ኣብ ዘልዓልሉ እዋን፣ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዝሰምዖም ከም ዘይረኸቡ አቶ ሚሊዮን ኣብ መወዳእታ ገሊፆም።