Thursday, May 9, 2013

ኣብ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን መሬቶም ዝተመንጠሉ ሓረስቶት ተቐያሪ መሬት ንኽዋሃቦም ብምሕታቶም ኣብ ልዕልኦም ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይፍፀም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።



ኣብ ክልል ቤንሻጉል ጉምዝ ዞባ ማንዱራ ፍሉይ ወረዳ በታዊ ኣብ ዝርከቡ መንደራት ሰዋስት፤ መንደር ሓሙሽተ፤ መንደር ትሽዓተን ክልኦት ናይቲ ከባቢ ዓዲታትን ዝነብሩ ሓረስቶት፤ ሕጋዊ ናይ ሕርሻ መሬቶም ብሽም ንልምዓት ቃንጫ ሽኮር ከዉዕሎ ብዝብል ጣና በለስ  ንዝተበሃለ ፕሮጀክት ብዘይዝኾነ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን ብምዕዳሉ ምኽንያት ኣብ ፀገም ብምዉዳቖም፤ ፍታሕ ንኽግበረሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብተገደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪቦም ሰማዒ ከም ዘይረኸቡ እቶም ግዳያት ገሊፆም።
እቶም ግዳያት ኣስዒቦም። ሕርሻ መሬቶም ተመንጢሎም ኣብ ማእኸል ሜዳ ብዘይ ዝኾነ ተስፋ ምዉዓል ምሕዳር ዓቕሎም ኣፅቢብሎም ግቡእ ምላሽ ክሳብ ዝረኽቡ ሕቶ ካብ ምቕራብ ክዕርፉ ብዘይምኽኣሎም። ሰበ ስልጣን መንግስቲ ንሕቶ ፀገመ ህዝቢ ብኣወንታ ሪኦም ኣወንታዊ ምላሻ ኣብ ክንዲ ምሃብ ናብቲ ከባቢ ፌዴራል ፖሊስ ኣዋፍሮም ምኽንያታዊ ዘይኮኑ ነገራት እናበገሱ ነቶም ስድራታት ብምቕጥቃጥን ምፍርራሕን መዓልታዊ የገላትዕዎም ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ካብ ዝርከባ ሓሙሽተ ቀበሌታት ክነብሩ ዝፀንሑ ወገናት፣ መንበሪኹም ንስራሕ ተደልዩ ተባሂሎም ተፈናቒሎም ‘’ኣንዱ-ቁራ’’ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ ዉሕስነት ብዘይብሉ ኣገባብ ተደብርዮም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እቶም ካብ መረበቶም ተፈናቕሎም ኣብ ፀገም ወዲቖም ዝርከቡ ህፃናት፤ ነብሰ ፁር ኣዴታትን ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድን ዝርከብዎም ዜጋታት፣ ሕርሻ መሬቶም ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ብዛዕባ ሂወት ዜጋታት ከይተገደሰ ንፕሮጀክት ጣና በለስን ሕብሪ ንዝተበህለ ፋብሪካ ሽኮርን ትካላትን ብገንዘብ ዝሸጦ ኮይኑ። ኣብቲ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ወገናት ሰፊረምሉ ዘለዉ ከባቢ ረድኤት ዝህብ ሕክምና ብዘይምህላዉ ብሕፅረት መግብን ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይን ብርክት ዝበለ ህይወት ብሕማማት ይሳቐን ንሕልፈት ሞት ዝዳርግን መዓልታዊ ፍፃመ ምዃኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምሕባር ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣገንዚቡ