Thursday, May 9, 2013

ኣብዚ ዓመት ኣብ ክልተ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ጥራይ ልዕሊ 648 ሚልዮን ብር ፋይናንሳዊ ክሳራ ኣጋጢሙ ከም ዝተረኸበ ተርጋጊፁ።



ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ዋና ኤዲተር ፌዴራል ብ17 መጋቢት 2005 ዓ.ም ንዘዳለዎ ዓመታዊ ሪፖርተር መሰረት ብምግባር ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ኣብ ሚኒስተር ማይ ሃፍቲ ካብ ዝቀሳቐስ ገንዘብ ልዕሊ 368 /ሰለስተ ሚኢትን ስሳን ሸሞንተን/ ሚልዮን ብር ዝተጠፋፈአ እንትኾን፤ ኣብ ሚኒስተር ትምህርቲ እዉን ልዕሊ 28 ሚልዮንን 9 ሚኢትን ብር ኣብ ዝተመደበሉ ስራሕ ከይወዓለ ጠፊኡ ዝተረኸበ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ’ቶም ብሚኒስተር ደረጃ ዝንቀሳቐሱ ዓበይቲ ኣብያተ ፅሕፈታት መንግስቲ ተጠፋፊኡ ዘሎ ገንዘብ፣ ንዝተፈላለዩ ሃገራዊን ህዝባዊን መደባት መፈፀሚ ተባሂሉ ካብ ዝምደበሎም ባጀትን ካብ ዉሽጦም ካብ ዝረኸብዎ ኣታዊታትን ሕጋዉነት ብዘይብሉ ሰነዳት ወፃኢ እናኾነ ኣብ ረብሓ ዉልቀ ሰባት ክዉዕል ዝፀነሐ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
 ኣብ መወዳእታ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ። ነዚ ፀረ ዕቤትን ልምዓትን ዝኾነ ተግባር ግዕዝይና ፈፀምቱ ብምምንዛዕ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዓይኖም ዝዓወሩ ስሱዓት ላዕለዎት ሚኒስተራት ናይዘን ኣብያተ ፅሕፈት ብቐንዱ ኮይኖም፤ ኣብ ትሕትኦም ዝርከቡ ሰብ ሞያን ክኢላታትን እዉን ዘይነዓቕ ግደ ከም ዘለዎም ኣፍሊጡ።