Friday, January 3, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ‘ትክል ድንጋይ’ ኣብ ዝተበሃለ ከተማ ንዘሎ ሕፅረት መሰረት ልምዓት ፍታሕ ንኽግበረሎም ነበርቲ ተቓውሞ ስለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፣




እቶም ኣብ ከባቢ ጎንደር ነበርቲ ከተማ ትክል ድንጋይ ዝኾኑ ዜጋታት ብስንኪ ሕፅረት መሰረት ልምዓት ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣብ ምምራሕ ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብፍላይ ስእነት ፅሩይ ማይ ብዙሓት ህፃውንትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ዜጋታትና፤ ግዳይ ሕማም ይኾኑ ምህላዎምን ካብ’ቶም ግዳያት ገለ ኣብነት ንምጥቓስ፤ ህፃን ሰላም ታፈረ፤ ኣይተ ታፈረ ታደሰ ዝተበሃሉ ወላድን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ሓካይም ካብ ዝሃብዎ ሓሳብ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣
 ነቲ ዘጋጠሞም ሕፅረት መሰረት ልምዓት ፍታሕ ክግበረሎም ነበርቲ ብ17 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ስለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ’ኳ እንተኾኑ፤ በዚ ሰልፊ ዝደንገፁ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ  ኣግባብ ዘለዎ ምላሽ ኣብ ክንዲ ምሃብ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ስጉምቲ ክወስዱ ብምእዛዝ እቲ ስርዓት ክንደየና ካብ ህዝቢ ርሕቑ ከም ዘሎ ዘረጋግፅ ኮይኑ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
 ኣብ መወዳእታ ብሰንኪ  ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ ዝመውት ይኹን ዝሓምም ዜጋ የብልናን እናበሉ ወገሐ ፀብሐ በቲ ስርዓት ዝዝረብ ውፁእ  ሓሶት ምዃኑ ነበርቲ እታ ከተማ ወሲኾም ገሊፆም፣