ተቃወሚ
ውድብ መድረኽ ብ14 ሕዳር 2006 ዓ/ም ውሽጣዊ ኣወዳድቡኡ ምትዕርራይ ከም ዝገበረን ነዚ ሓዱሽ ምትዕርራይ ብመራኸቢ ሓፋሽ
ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንኽፈልጦ ክፍቀደሉ ሕጋዊ ሕቶ ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢህወዴግ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበን፤ የግደስ ንኣይተ ሃይሉ ሻውል ንስኻ መጭበረበሪ ኢኻ ብምባል ተቐቢሎም ስለ
ዝኣሰርዎም ኣባላት ናይ’ቲ ውድብ ድማ ነቐፌታኦም የስምዑ ምህላዎም ካብ’ታ ከተማ ምንጭታትና ገሊፆም፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ ነፃነት ፕረስ ከም ዘሎ ኣምሲሎም ብሚድያታቶም ዘቃልሕዎ ሓሳብ ንፖለቲካዊ ሃልክን
ካብ ዝሃፍታማ ሃገራት ንዝረኽብዎ ሓገዝ ንኸይቋረፆምን ዝጥቀምሉ መታለሊ ሜላ ድኣ እምበር ኣብ ተግባር መፂኻ ግን
ብኣንፃሩ ምዃኑ ይፍለጥ፣
ከም
ዝፍለጥ ኣብ ዝተፈለላዩ ከባቢታት ሃገርና ዝርከቡ ብሰለማዊ መንገዲ
ንዝቓለሱ ውድባት ግፍዕታት ይወርዶምን ከም ዘሎን፤
ካብኣቶም ኣካል ዉድብ መድረኽ ዝኾነ ሓደ ውድብ ዓረና እንትኾን፤ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣባላቱ ብዘይ ዝኾነ ገበን ይእሰሩን ይቕጥቀጡ
ኢሉ እዉን ካብ ስራሖም ይባረሩ፤ ቤት ፅሕፈት እንተኸፈቱ ድማ
ኣካረይቲ ካብ ገዝኦም ንኽውፅእዎም መምርሒ ብምውራድ
ክዕፆ ይግበር ምህላዉ ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትና ክንገልፅ ምፅናሕና
ይዝከር፣