Saturday, May 31, 2014

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ተማሃሮ ብሰንኪ ሕፅረት መግብን እኹል ናይ ትምህርቲ ናውቲ ብዘይ ምርካቦም፤ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዓቢ ዕንቅፋት የጋጥሞም ምህላዉ ተሓቢሩ።



በመሰረት’ቲ  ሓበሬታ እቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ዝርከቡ ተምሃሮ እኹል መግቢ ብዘይ ምርካቦም እቲ ዝርካቡ እንተኾነ‘ውን ደረቕ ባኒ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ እቶም ተምሃሮ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገም ፍታሕ ንኽግበረሎም  ንፕረዚዳንት ናይቲ ዩኒቨርሲቲ  ንዶ/ር ጋይም  ጥርዓኖም  ኣብ ዘቕርብሉ እዋን ነቲ ሕቶ  ብኣገባብ ክምልሰሎም ከም ዘይካኣለ ተፈሊጡ።

    ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ዩኒቨርሲቲ እቲ ን25 ሰነ 2006 ዓ/ም ክጠናቐቕ ተሓሲቡ ዘሎ ናይ’ዚ ዓመት መጠቓለሊ ፈተና ብሰንኪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕፅረት መግብን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን እቶም ተምሃሮ እኹል ምድላዉ ክገብሩ ከም ዘይከኣሉ ይገልፁ ምህላዎም ተሓቢሩ።

     ከምዝፍለጥ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ኣብ ሽግር ከም ዝርከቡን ቅድሚ ሕዚ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ሓለፍቲ ዶ/ር ጋይምን ምክትሉ ዶ/ር ዘልኣለምን ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘሎ ፀገም ክንፈትሖ ኢና ምባሎም ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዜና ፈነወና ገሊፅናዮ ምንባርና ይዝከር።