Tuesday, July 15, 2014

ብ1/ሓምለ /2006 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ዲማ-ምንጫራ ዝርከቡ ሓረስቶት መዳበርያ ዘይወስደኩም ብዝብል ሰበብ ን6ተ ወርሒ ክእሰሩ ከም እተፈረዱ ምንጭታትና ሓቢሮም ።



እቶም ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ዲማ-ምንጫራ ክእሰሩ ዝተፈረዱ ሓረስቶት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2006 ብካድረታት እቲ ስርዓት መዳበርያ ክወስዱ ድሕሪ ዝተገበረሎም ጎስጓስ ሕራይ ክንወስድ ኢና ኢሎም እኳ እንተነበሩ ድሒሩ ናይ መዳበርያ ዋጋ  ካብ ዝነበሮ ኣዝዩ ዋግኡ ብምውሳኹ  ልዕሊ ዓቕሞም ብምዃኑ ኣይንወስድን ልዕሊ ዓቕምና እዩ ብምባሎም ጥራሕ ን6 ወርሒ ክእሰሩ ከም ዝተፈርዱ ተፈሊጡ።

      ናይ’ቶም ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም እስራት ዝተፈርዱ ገለ ኣስማት ንምጥቃስ፦ ኣይተ ሃፍቱ ኣለባቸው፤ ቀሺ ኣለበል ኪዳነ፤ ኣይተ ኣስረስ ንጋቴ ዝተበሃለ ካብ ጣብያ ሰቖጣ-ስላሴን ከም ዝርከብዎም ኣብ’ቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

  ብተመሳሳሊ መዳበርያ ዘይወሰድኩም እናበልካ ንሓረስቶት ምእሳር ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ይፍፀም ምህላዉ ይፍለጥ።