ብመሰረት
ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ከተማ ደዉሃን ዝነብር ህዝቢ ብግዕዙይ ኣሰራርሓ ዝመበገስኡ ኣብ መንጎ ነበርቲ
እቲ ዓዲን ኣባላት ፖሊስን ዝተፈጠረ ግጭት ከም ዝተፈጠረን ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ድማ ፖላዊስን ኣካላት ፀጥታን ኣዋፊሮም
ብሓይሊ ክብትንዎ ኣብ ዝፈተንሉ ምስ’ቲ ህዝቢ ባእስን ዕግርግርን ከም ዝፈጠሩ ተፈሊጡ፣፣
በቲ ባዕሎም ኣካላት ፀጥታ ዝወልዕዎ ባእስን ዕግርግርን ምኽንያት ብፖሊስ ካብ ዝተኣሰሩ ንፁሃት ወገናት
1.
ሓጎስ ኪዳነ
2.
ኣብርሃ ወልዱ
3.
ኣስመሮም ተስፋይ
4.
ሓጎስ ተስፋይ
5.
መብራህቶምን ካልኦት ሽሞም ንግዝኡ ዘይተትሓዙ ወገናትን ኣብ’ቲ ግጭት ተሳትፍኩም ብዝብል ሰበብ ተኣሲሮም
ከም ዘለውን ኣብቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ ገብረመድህን ዝተበሃለ ኣባል ፖሊስ ምኳኑ ድማ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
ኣረዲኡ።
ካብ ወረዳ ኢሮብ ከይወፃና ኣብ ከተማ ደዉሃን
ንኣሽቱ ትካላት ንግዲ ከም ድኳን፤ ባር፤ ቤት ምግቢ ዝኣምሰሉ ከፊቶም ዝሰርሑ ታሕተዎት ነጋዶ ምስ ኣታዊኦም ዘይመጣጠን ግብሪ
ክኸፍሉ ብ30 ሰነ 2006 ዓ.ም በቲ ስርዓት ክግደዱ ከም ዝወዓሉ ምንጭታትና ኣፍሊጦም፣፣
ካብ’ቶም
መጠኑ ዝሓለፈ ግብሪ ክፈሉ ዝተበሃሉ ነበርቲ ፍሱሕ ኣባይ፤ ሰላም
ያቆብ፤ ገነት፤ መኣዛን ኣበባ ምስግናን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ነጋዶ እቲ ክፈልዎ ዝተበሃሉ ግብሪ
“ፈፂሙ ምስ ትሕዝቶና ዘይሳነ ዓይኒ ዕሙተይ ዉሳነ እዩ ነዚ ክንከፍል ዓቕሚ የብልናን እንተደሊኹም ብኣካል ኣለናልኩም ዝግበር
ግበሩና” ክብሉ ምዝረቦም ካብቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣