እዚ ኣብ
ጣብያ ዓገረለኹማ ተስፋፍሑ ዘሎ ግዕዝይና እቶም ናይታ ጣቢያ
ኣማሓዳሪ ዝኾነ ኣለምን ምክትሉ ኣየለ ተስፋይን ዝተባሃሉ ህዝቢ
ፍትሒ ኣብ ዝሓተሉ ብግቦን ግበረልይ ክግብረልካ እንተዘኮይኑ ቁኑዕ ፍትሒ ዝባሃል ብዘይ ምህላው ህዝቢ መረረቱ የስምዕ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣
እዚ
ከም’ዚ ኢሉ እናሃለወ ህወሓት-ኢህወዴግ ብሰንኪ ዝመርሖ ዘሎ ግዑዙይ መንግስቲ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ርእሲ ክሳብ እግሪ ግዕዝይና ብምስፍፍሑ ምኽንያት ኣብ ጣብያ ዓገረለኹማ
ዝርከቡ ኣመሓደርቲ’ውን በቲ ሱር ዝሰደደ ብልሽውና ናይ ህዝብን ጣቢያን ረብሓ ንጎኒ ገዲፎም ኣብ ውልቀ ረብሐኦም ብምጥሓሎም
ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ተላዒሉ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣