Sunday, July 13, 2014

ካድረታትን ፖሊስን ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ነቶም ካብ ውትህድርና ዝወፁ ወታደራት ነበር ተወዲቦም መንግስቲ ንኸይቃወሙ ካብ ዝብል ኣጉል ጥርጣረ ይብትንዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



በብከባቢኡ ዝርከቡ  ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ ድህንነት፤ ፖሊሳትን ካድረታትን ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ነቶም ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ከገልግሉ ፀኒሖም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜታት ካብ ውትህድርና ዝወፁ ወታደራት ነበር ኣብ ከተማታት ተኣኪቦም ብዛዕባ ሽግሮም ከየውግዑ፤ ተወዲቦም ከይቃወምዎን ህዝቢ ከየለዓዕሉን ብምስጋእ ነናብ ትውልዲ ዓድኹም ኪዱ እናበሉ ይሰጉዎም ከም ዘለዉ ገሊፆም፣፣

  እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ወተሃደራት ነበር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብዘይ ዝኾነ መጣየሲ ገንዘብ ስለ ዘፈናዎም ዝዓበየ ቂም ሒዞም ኣብ ዘለዉሉ እቲ ስርዓት ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ግፍዕታት እንትፍፅም እንትዕዘቡ ብትሪ ኣብ ምቅዋም ስለ ዘለው ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ መፃኢ 2007 ዓ/ም ዝካየድ ምስሉይ መረፃ ከየተዓናቕፍዎ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ ነቲ ናይ ምብታን ስጉምቲ ኣብ ምዉሳድ ከም ዝርከቡ  ተፈሊጡ፣፣