Friday, July 18, 2014

ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ መኾኒ ብዉድብ ዓረና ዝተፀወዐ “ወፍሪ ኣብርሃ ደስታ ንፍትሕን ነፃነትን” ዝብል ኣኼባ ብ6 ሓምለ 2006 ዓ.ም ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ፣፣



ብመሰረት ምንጭታትና፣ ዕላማ እቲ ኣኼባ ብኣባላት ድህንነት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ፖለቲካዊ እምነቱ ብምቅልሑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ንዘሎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ  ናይ ፖለቲካ ሳይንስ መምህር ዝኾነ ኣብርሃ ደስታ ክፍታሕ ዝፅዉዕ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ። እንተኾነ እቲ ኣኼባ ንኸይካየድ ብጥቡቕ ክከታተልዎ ዝፀንሑ ኣመሓደርትን ዕሱባትን ናይቲ  ስርዓት ክተዓናቐፍ ከም ዝገበሩ ካብ’ቲ  ቦታ ዝበፀሐ ሓብሬታገሊፁ፣፣

ነቲ ዝተፀወዐ ኣኼባ ንምትዕንቓፍ ዝተዋፈሩ መጋበርያ እቲ ስርዓት ብዝኾነ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ መምህር ሃፍቱ ኪሮስ ዝተለኣኹ ኣባላት ፖሊስን ድህንነትን ብመኪናን ሞተር ሳይክልን እናተንቀሳቐሱ ነቲ “ፍትሒ ይንገስ ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ” ንዘበለ ዉፅዕ ህዝቢ ፀረ-ልምዓት፤ ፀረ-ሃገር፤ ኣሸበርትን ወሃብያን ዝብል ሽም ኣጠሚቖም ከም ዝበተንዎ  ተፈሊጡ ኣሎ፣፣

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ፀጥታ ፀረ ህዝቢ ህወሓት-ኢህወዴግ ንናይ ፖለቲከኛ ኣብርሃ ደስታ መንበሪ ገዝኡን ቤት ፅሕፈቱን ጎርጒሮም ዝረኸብዎ ንብረትን መሳርሕን ብመኪና ፅዒኖም ከም ዝወስድዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣