Friday, July 18, 2014

ኣብ ወረዳ መኾኒ ዝርከቡ ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬቶም ብኣምሓደርቲ እቲ ዞባ ይምንጠሉ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳ መኾኒ ኣብ ጎልጎል ራያ ጣብያታት ገርጀለን “ቶ”ንን ዝርከብ ንቡዙሓት ሓረስቶት ዝሓቁፍ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ቦታ ሰበ ስልጣን ናይ’ቲ ዞባ ብዝልኣኽዎም ካድረታት መንበሪ ኣባይቲ እናፍረሱ ብምምንጣል መሻርኽቶም ንዝኾኑ ኢንቨስተራት ይህብዎም ከም ዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ፣፣

በዚ ተግባር ዝተቖጥዑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተለዋጢ መሬት ይኹን ካሕሳ ዘይብሉ ሕጋዊ መሬትና ስለምንታይ ንምንጠል ዝብል ጥርዓን ንዝምልከቶም ኣካላት ኣቕሪቦም ብኣወንታ ክምለሰሎም ስለ ዘይክኣለ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ህዝባዊ ተቓዉሞ ተወሊዑ ምህላዉ ተፈሊጡ፣፣

ካብ’ቲ ወረዳ ከይወፃና ካብ ስደት ንዝተመልሱ ዜጋታት ተባሂሉ ብፌደራል መንግስቲ ዝተሰልዐ 48 ሚልዮን ብር ክሳብ ሕዚ ነቶም ካብ ስደት ዝተመለሱ ዜጋታት በቲ ገንዘብ ዝተገብረሎም ነገር ብዘይምህላዉን ዝተኣትወሎም መብፅዓ ስለ ዘይተተግበረን ዳግማይ ክስደዱ ብምግዳዶም ኣብ ፈቐዶ ባሕሪን ሰሃራ በረኻን ንስቓይን ሞትን  ይቃልዑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ የረድእ፣፣