እቶም ኣብ ከተማ መቐለ፤ ኣክሱምን ዓዲ-ግራትን
ዝርከባ ዩኒቨርስትታትን ካልኦት ኮሎጃትን ዝመሃሩ ተማሃሮ ከም ዝገለፅዎ ኣብዚ ትካላት ትምህርቲ ዝርከቡ መምህራና ንተማሃራይ ግቡእ ፍልጠት ክንቕስም
ዝገብርዎ ፃዕሪ ዘይምህላዉ፤ እኹል መፃሕፍቲን ካልኦት ንመምሃሪ ሓጋዝቲ ናውቲ ትምህርቲ ቀረባት ኣብ ዘይብሉ ተማሃሮ ግቡእ
ፍልጠት ከይቀሰሙ ኣብ ፈተና ትሑት ዉፅኢት ስለ ዘምፅኡ ኣብ መንጎ ተማሃሮን መምህራን ዘይምስምማዕን ዘይምቅዳዉን ተፈጢሩ ከም
ዘሎ ኣረዶኦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ተማሃሮ ሰበ-ስልጣን ህወሓት-ኢህወዴግ
በዝሒ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣትዉ ተማሃሮ ብኣሃዝ እናፀብፀቡ ብሚድያታት ዘቕርዎ ንፖለቲካዊ ሃልኪ እንተ ዘይኮይኑ ውፅኢት የብሉን ክብሉ ምግላፆም ተፈሊጡ።