Wednesday, July 30, 2014

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ናዝሬት ኣባላት ስርዓት ኦህዴድ-ኢህወዴግ ዘይኮኑ ነጋዶ ወገናትና ዋጋ ዕዳጋ ወሲኽኩም ብዝብል ሰበብ ትካሎም ይዕፆ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ኣብ ከተማ ናዝሬት ኣብያተ መግቢ ከፊቶም ቤተሰቦም ከማሕድሩ ዝፀንሑ ልዕሊ 28 ዝኣኽሉ ኣባላት ኦህዴድ-ኢህወዴግ ስለዘይኮኑ ጥራሕ ዋጋ ዕዳጋ ወሲኽኩም ብዝብል ምኽኒት ትካሎም  ብዕሱባት እቲ ስርዓት ስለ ዝተኣሸገ ንኸቢድ ክሳራን ፀገምን ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ካብ’ታ ከተማ ዝተረኽበ ሓበሬታ  ኣፍሊጡ።

 ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ፍኖተ-ሰላም ልዕሊ 20 ዝኣኽሉ ነጋዶ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ስለ ትተሓባብሩን ትራኸቡን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ክወስኽ ትገብሩ ኣለኹም ብዝብል መፀለምታ ብኣመሓደርቲ ስርዓት ብኣዴን-ኢህወዴግ ከቢድ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ከም ዘሎ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ብሽም ዋጋ ዕዳጋ ትውስኹ ኣለኹም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዝውሰድ ዘሎ ትካላት ንግዲ ናይ ምዕፃው ስጉምቲ ኣብ መላእ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ንናይ 2007 ዓ/ም ምርጫ ስዒቡ ዘሎ ህዝቢ እናፈራራሕኻን ብገንዘብ እናጠበርካን ኣብ ጎንኻ ንምስላፍ ዝግበር ዘሎ ዝመሰዮ ናይ ኢህወዴግ ተግባር ምዃኑ ገል ግዱሳት ዜጋታት ይዛረብሉ ከምዘለው ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።