Sunday, July 27, 2014

ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ንመካረይትን ተኻረይትን ገዛ ይኹኑ ንነጋዶ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ግብሪ የኽፍሎም ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማ ሸራሮ ገዛ ሰሪሖም ንዘካርዩ ይኹን ንተኻረይቲ  ምምሕዳር እታ ከተማ ኣካረይቲ ምስ’ቲ ኣካርዮም ዝረኽብዎ ኣታዊ ዘይመጣጠን ግብሪ ከኽፍሎም እንተሎ።  ተኻረይቲ’ውን ካብ መጠን ንላዕሊ ሚእታዊ  ክኸፍሉ ስለ ዝገበሮም መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ፣፣
ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ዝኽተሎ ዘሎ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ፍታሓዉነት ዘይብሉን ዝተዛበዐን ኣሰራርሓን በቲ ብመፅናዕቲ ዘይተሰነየ ግብሪ ኣተኣኻኽባ ነጋዶ ይኹኑ ገዛ መካረይትን ተኻረይትን ብግብሪ ዝኣክል ንፀገም ይቃልዑ ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣፣
ኣብ መወዳእታ ካብ’ቶም ኣካረይቲ ገዛ ዝኾኑ መጠኑ ዝሓለፎ ግብሪ ክኸፍሉ ዝተገደዱ ዜጋታት በረኸት ቦኽረፅዮን 16 ሽሕ ብር፤ ፀጋይ ዮዉሃንስ 30 ሽሕ ብር ከምኡ’ዉን ተስፋሁነ ገብረፃድቃን ወናኒ ትካል ኤሌትሮኒክስ 65 ሽሕ ብር ብምምሕዳር ተገዲዶም ከም ዝኸፈሉ ተፈሊጢ ኣሎ፣፣