Sunday, July 13, 2014

መናእሰይ ወረዳ ኢሮብ ናብ ዉትህድርና ንኽኣትዉ ብካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ፀቕጢ ዝተመልኦ ፅዑቕ ጎስጓስ ይካየድ ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢሮብ ዝኾኑ ልዕሊ 4 ክፍሊ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም መናእሰይ ብካድረታትን ኣመሓደርትን እቲ ስርዓት ዘይትግበር መብፀዓ ብምእታውን ብዝተፈላለዩ ፕሮፖጋንዳ ኣደናጊሮም ብዓይኒ ዕሙተይ ክኣትዉ ዝከኣሎም ኩሉ ኣብ ምግባር ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ኣረዲኦም፣፣

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንተሎ ኣብታ ወረዳ ብመሰረት ኣወዳድባ እቲ ስርዓት 15 ሰባት ዘለዋ ሓንቲ ጉጅለ ኣብ ዉሽጣ ግድነት ክልተ ዕጡቋት ምልሻ ክህልዉ ኣለዎም ዝብል መምርሒ ወሪዱ ንተግባራዉነቱ ካድረታት ተዋፊሮም ኣብ ሕድሕድ ጣብያ ምንቅስቓስ የካይዱ እኳ እንተሃለው ከቢድ ተቓውሞ ይገጥሞም ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣