Thursday, November 20, 2014

ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ላዕለዎት ጀነራላቱ ምስ ተቓወምቲ ርክብ ኣለኩም ዝብል ሰበብ ብምፍጣር ይሰጎም ምህላዉ ተገሊፁ፣




ብመሰረት ካብ ስታፍ ምክልኻል ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ። ኣብ ሚኒስተር ምክልኻል ሰራዊት ጉጅለ ኢህወዴግ  ኣብ ዝልዓለ ፅፍሒ ስልጣን በፂሖም ክመርሑ ካብ ዝፀንሑ ሌተናል ጀነራል ኣበባዉ ታደሰ ሓደ ኮይኑ። ኣብዚ እዋን ኣብ ዉሽጢ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዕልባት ስኢኑ ብዘሎ ወጠጥ ምስ ፖለቲካዊ ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ክረዳዳእ ብዘይምኽኣሉ። ንስኻ ሃምኻን ቀልብኻን ምሳና የለኻን ምስ ተቓወምቲ ትራኸብ ኢኻ ብምባል ከም ዘባረርዎ ኣረዲኡ፣

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ። ኣብ ዉሽጢ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢህወዴግ ኣብ ዝተኻየደ ፍረ ዘይብሉ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ኢታማዦር ሹም ሳሞራ የኑስ ተኣልዩ ንቦትኡ ክትክኡ ካብ ዝበሃሉ ሓደ ምዃኑ ይግለፅ ከም ዝፀነሐ ድሕሪ ምጥቃስ። ኣብዚ ቅንያት ግን ንኣበባዉ ታደሰ ብዘይ ዝኾነ ጥሮታን መጣየሽን ከምኡ’ዉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዋሂብዎ ክነብረሉ ዝፀነሐ ገዛ ከይተረፈ መንጢሎም ንዓኻ ክብሪ ዘይኮነ ብካልእ ዓይኒ ኢና ንርእየካ ተባሂሉ ምብራሩ ንብዙሓት መሳርሕቱ ሃንደበት ኮይንዎም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፣