Saturday, November 22, 2014

ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ነቲ ብልዕሊ ዓቐን ግብርን ብኣስገዳድ መዳበሪያ ግዛእ እናበሉን ሰንሰን ዘበልዎ ህዝቢ ንመረፃ ክብሉ ዘይትግበር መብፅዓታት ይኣትዉሉ ከም ዘለው ተሓቢሩ።

     ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣመሓደርቲ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ዝኾኑ ካድረታት ህወሓት ነባሪ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ በቲ ብኣስገዳድ ዝተውሃቦ መዳበርያን  ልዕሊ ዓቐን ግብርን ቅሬታ ሒዙ ብምህላዉ ኣብ መፃኢ ዝግበር መረፃ ክተፍአና‘ዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደሮም ዋጋ ክፍሊት መዳበርያ ክንቅንሰልኩም ኢና፥ ንመፃኢ‘ውን መዳበሪያ ውሰዱ ኢልና ኣይነገድድን ብምባል ንህዝቢ ኣኪቦም መጠበሪ ጎስጓሳት የካይዱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
 
      እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብ’ቲ ወረዳ ዝርከቡ ካድረታት ነጋዶ ዘለዎም ኣታውን ወፃእን ኣብ ግምት ከየእተው ዓቐን ዘይብሉ ግብሪ ክኸፍሉ እናገደዱ ኣደዳ ዕዳ ይገብርዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ነቲ ሓረስታይ ሕብረተሰብ ድማ ብዘይ ድልየቱ መዳበሪያ ንኽወስድ ብምግባር እቲ ካብ ሕርሻ ዝተረኸበ ኣታውን ነቲ መዳበሪያ ዝተኸፈለን እንትነፃፀር ኣብ ክሳራ ከም ዘዉደቖም የረድእ።