Saturday, November 22, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ካብ ኣባልነት ፖለቲካ ነፃ ዝኾኑ ምሁራት ኢትዮጵያዉያን መራሕቲ ኢህወዴግ ዝኽተለዎ ዘለዉ ጎስጓስ መዕነዊ ሃገር ከም ዝኾነ ገሊፆም።

ብመሰረት እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ዉድብ ኣባልነት ነፃ ዝኾኑ ኢትዮጵያዉያን ምሁራት ብ5 ሕዳር 2007 ዓ.ም ነቲ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝቐርብ ዘሎ ጎስጓስ ከም ዝነፀግዎ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት  ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ በብደረጅኡ ናብ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ ብተኸታታሊ ዝቐርብ ዘሎ ንሕሉፋት ስርዓታት ዝወቅስ ብደኩሜንታሪ ፊልሚ ዝተሰነየ ፕሮፖጋንዳ መሰረታዊ ጌጋ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።

እቶም ምሁራት ኣብ ሓሳቦም ከም ዝገለፅዎ በብግዝኡ ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ፀረ ህዝቢ ከም ዝነበሩ ዘረድእ ፊልምን ፅሑፋትን እናዳለኻ ብኢህወዴግ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ በታቲኹ ዝበታትን ድኣ’ምበር ዘተሓቛቑፍ ከም ዘይኮነ ምስ ገለፁ እዚ ተግባር ድማ ገዛኢ ዉድብ ብሽም ሕሉፋት ስርዓታት እናሸቀጠ ንባዕሉ ብፁእ መሲሉ ብምቕራብ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባር እዩ ከም ዝበልዎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።