Thursday, November 20, 2014

መንእስያት ከተማ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ናብ ውትህድርና ክኣትዉ ብካድረታት ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝቐረበ መፀዋዕታ። ህዝቢ ከም ዝነፀጎ ምንጭታትና ሓቢሮም፣




  ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ንነበርቲ ከተማ ተምቤን ዓብዪ ዓዲ ብ3 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ብሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ኣኼባ ምክያዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።  ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት  ዘሎ ትግራዋይ  ብቑፅሪ ውሕድ ስለ ዝኾነ መንእስያት ትግራይ ናብ ውትህድርና  ክኣትዉ ዝጉስጉስ ከም ዝነበረ ተገሊፁ።

   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ።  ነቲ ብካድረታት እቲ ስርዓት ዝቐረበ መናእሰይ ናብ ውትህድርና  ንኽኣትዉ ዝጠልብ  ኣጀንዳ። ብወገን  ተኣካባይ ህዝቢ  “ቅድሚ ሕዚ ተቓሊስና እንታይ ረኺብና?  ውፅኢቱ ክሳራን በደልን ኮይኑና ኣሎ፣  ስለ ዝኾነ ካልኣይ ጊዜ ናብ ጌጋ ኣይንኣቱን፤ ደቅና ኣይንህብን፤ ብምባል ብሓደ  ድምፂ ተቓውሞኦም ከም ዘቕረቡ  ተፈሊጡ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሑመራ ንዝርከቡ ተማሃሮ 2 ደረጃ ካድረታት ኢህወዴግ ኣኪቦም ናብ ዉትህድርና ክስለፉ ብ24 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ጎስጓስ ከም ዘካየድሎምን እዚ መስርሕ ብደረጃ ሃገር ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ ብህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበን ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዜና ፈነወና ምግላፅና ይዝከር፣