Thursday, November 20, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ልጉዲ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ኣብ ዉሽጦም ብዝተወለዐ ባእሲ ይቃተሉ ምህላዎም ተገሊፁ፣




   ብመሰረት ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ።  እዞም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ  ተወለድቲ ጎጃምን  ወሎን ዝኾኑ መዓልታዊ ሸቃሎ ዜጋታትና። መንቀሊኡ ብዘይተፈልጠ ኣብ መንጉኦም ብዝተወለዐ ከቢድ ግጭት። ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ይኾኑ ኣብ ዘለዉሉ።  ነዚ ባእሲ ንምርግጋዕ ዛጊድ ብኣካላት ፀጥታ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝተወሰደ ተበግሶ ከም ዘየለ ተፈሊጡ፣

     ብኣንፃሩ ግን ወተሃደራት ሱዳን ናብቲ ከባቢ ብምእታው ክፈትሕዎ ምፍታኖም። ምናልባት እቲ ግጭት ብሽርሒ ገዛኢ ስርዓት ዝተሳወረ ክኸውን ከም ዝኽእል ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ይዛረብሉ ከምዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣

ብተመሳሳሊ ካብ ክልል ኣምሓራ መዓልታዊ ስራሕ ንምድላይ ናብ  ከተማ ማይ ካድራ ዝኸዱ ወገናት። ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ገዛኢ መንግስቲ ልኡዃት ብዘሳውርዎ ተወላዲ ወሎን ጎጃምን ዝብል ከባብያዉነት ዝመንቀሊኡ ምጉጅጃል ኣብ  መንጎኦም ብዝተፈጠረ ባእስን ኣሽማቶም ብንፁር ዘይተፈልጡ 5ተ  ወገናትና  ብኻራ ተወጊኦም ህይወቶም ከም ዝጠፈአ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ዜና ፈነወና ምግላፅና ይፍለጥ፣