Thursday, November 20, 2014

ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ናይ ውድብ ዓረና ፓምፕሌት ዘርጊሕኹም ብምባል። ንፁሃት ወገናት የሳቕዩ ከም ዘለው ተሓቢሩ፣




     ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝርከቡ ምንጭታትና ከም ዝሓበርዎ። ተቓዋሚ ውድብ ዓረና ብ2 ሕዳር 2007 ዓ/ም ህወሓት ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ምዃኑ ዘቃልሕን ህዝቢ ድማ ብሓባር ክቃወም ከም ዘለዎን። ኣብ ዝመፅእ መረፃ ድማ ህዝቢ ባዕሉ ዝደለዮ ክመርፅ ከም ዘለዎ ዝገልፁ ወረቓቕቲ ከም ዝተበተኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ።

     በዚ ዝተሰናበዱ ካድረታት እቲ ስርዓት ድማ። ብ3 ሕዳር 2007 ዓ/ም ነቶም ወረቓቕቲ ዝበተኑ ንምሓዝ ዕጡቛት ፖላዊስ ብምውፋር ገዛውቲ ይፍትሹ ኣብ ዝወዓልሉ። ብፍላይ ሓደ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተፈለጠ ኣብ ኣሉላ ሆቴል ዓራት ሒዙ ዝረኸብዎ ውልቀ ሰብ። ናብ ማእኸል ህዝቢ ብምውፃእ እናቐጥቀጥዎ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ፣

   በቶም ፀረ ህዝቢ ፖላዊስ ክቐጥቀጥ ዝተዓዘቡ ወገናት ድማ ኣብ ሆቴል ሰብ ክድቅስ መሰል የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ መሰል ሰብ ትጥሕሱ? እንተበሉ እኳ ሰማዒ እዝኒ ከም ዘይረኸቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣

     ብጀካ እዚ ካድረታት እቲ ስርዓት ንህዝቢ ኣኪቦም ብተቓወምቲ ዝፅዋዕ ኣኼባ ዝኾነ ሰብ ክወፅእ ከም ዘይብሉ፥ ኣብ ጥቓ ገዛውቶም ዝብተን ይኹን ዝልጠፍ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ወረቓቕቲ ድማ ኩሉ ሰብ እናተኸታተለ ክቐዶ ከም ዘለዎ ጥብቂ መምርሒ ከም ዘውረዱ ተፈሊጡ፣