Saturday, November 22, 2014

ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ተሓባበርቲ ወድብ ዓረና እናተብሃሉ ብፖላዊስ ይህደኑ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።


ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ካህናት ምስ ተቓውምቲ ውድባት ብፍላይ ድማ ምስ ውድብ ዓረና ይተሓባበሩ እዮም ብዝብል ጥርጣረ ንኽእሰሩ ካብ ክልል ብዝወረደ መምርሒ  ፖላዊስ እታ ከተማ  ነቶም ካህናት ኣብ ቁፅፅር ንምዉዓል ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

      ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ናይ ውድብ ዓረና  ዝርዝር ዕላማ ዝሓዘ ብርክት ዝበለ ወረቓቕቲ  ተበቲኑ ምንባሩ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ዝተበተነ ወረቓቕቲ  ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ካህናት እታ ከተማ ምስ ኣባላት ዓረና ብምትሕብባር በቲኖሞ እናበሉ ብካድረታት እቲ ስርዓት ንነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ዕላምኦም ንምስኻዕ ኣኼባ  ኣካይደምሉ ምንባሮም ተፈሊጡ።