Thursday, November 20, 2014

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢህወዴግ። ብሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ተዓዲጉ ዝቐርበሎም መሳለጢ ስራሕ እናሸጡ ግዕዝይና ኣብ ምፍፃም ከም ዝርከቡ። ካብ ዉሽጢ እቲ ምክልኻል ምንጭታትና ኣቃሊዖም፣




    ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ። ናይ ማእኸላይ እዚ 8 ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ መካናይዝድ ብርጋዴል ጄነራል መሓመድ ብርሃን (ወዲ ጎጀላ)። ንስራሕ መሳለጢ ተባሂሉ ዝተረከቦ ሓንቲ ቦጥ መኪና ምሉእ ነዳዲ። ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ዝርከብ እንዳ ጉዕሽ ክፍላይ መዐደሊ ነዳዲ ክሸይጥ ከም ዝተረኽበ ተገሊፁ፣

  ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዝገለፆ። እቲ ብግዕዝይና ዝተጨማለቐ መሓመድ ብርሃን ዝተብሃለ ኣዛዚ ሰራዊት። ብህዝቢ ምስ ተቓለዐ ላዕለዎት ሓለፍቱ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ኣጊደሞ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ። እዙይ ግን ንከምስሉ ዝተገብረ ድኣ እምበር ኣብ’ቲ ናይ ምክልኻል ሰራዊት ባጀት  ምጥፍፋእ፤ ኣፅዋራትን  ወተሃሃደራዊ ንዋት ምሻጥን ልሙድ ተግባር እኳ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ግዕዝይና ዝፈፀሙን ዝፍፅሙን ዘለው ኣዘዝቲ ዝተወሰደ መምሃሪ ስጉምቲ ከም ዘየለ የረድእ፣