Thursday, November 20, 2014

ተቓዋሚ ዉድብ ኣንድነት ኣብ’ዚ ቅንያት ኣብ ዳንሻን ከባቢኣን ኣብ ዘካየዶ ጎስጓስ ብነባሪ ህዝቢ ተቐባልነት ብምርካቡ ዝሰግኡ ካድረታት ህወሓት-ኢህወዴግ ሰባት ይጨዉዩ ምህላዎም ተሓቢሩ፣




    ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከባቢ ዳንሻ ፍሉይ ቦታ ማይ-ደዴ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ሰላማዊ ቃልሲ ዘካይድ ዉድብ ኣንድነት ኣብዚ ቅንያት ንነባሪ ህዝቢ ኣኪቡ ከካይዶ ኣብ ዝወጠኖ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል እዩ ኢሎም ዝኣመቱ ኣማሃደርቲ ስርዓት ኢህወዴግ ነቲ ናይ ተቓዋሚ ውድብ ኣንድነት ኣኼባ ከተሓባብሩ ኣብ ህዝቢ ልዕሉ ተቐባልነት ኣለዎም ንዝበልዎም ሰባት ኣብ ምእሳርን ምጭዋይ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣

   ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ መንግስቲ ዴሞክራሲያዊ ክመስል ኣኼባ ክግበር  ብምግባር ድሕሪ ኣኼባ ከኣ የስግኡንን ተሓጋገዝቲ ተቓወምቲ እዮም  ንዝበሎምን ሰባት ኣብ ምእሳርን ምጭዋይን ተዋፊሩ ከምዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ካብ’ቶም ብ25 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ካብ ዝተጨወዩ  ንምጥቃስ፦ መሰለ ደጀኔ፤ ባህታ ደመቀ፤ ንግዚኡ ሽሙ ዘይተነፀረ ወዲ ኣርማጭሆን ካልኦትን ዝርከብዎም።  ኣመሓደርቲ ገዛኢ ጉጅለ ብዘዋፍርዎም ኣካላት ፀጥታ ተጨዉዮም ምስ ተወሰዱ ዛጊት ሃለዋቶም ከም ዘይፍለጥ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣