Friday, November 21, 2014

ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ንውልቀ መላኺ ጉጅለ ኢህወደግ ብምቅዋም ካብ ዝተፋላልዩ ከባቢታት ትግራይ ዝመፁ መናእሰይ ናብ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/ ተፀንቢሮም፣





ü ብመሰረት ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝበፅሓና ሓበሬታ፣ ካብ’ቶም ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ናብ ዴምህት ዝተፀንበሩ መናእሰይ ኣስማት ገሊኦም ንምጥቃስ፦ 

  •  ሃይለ ገብረስላሴን ተስፋይ ካሕሳይን ክልቲኦም ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉሎመኸዳ ጣብያ ሸዊት ለምለም ቁሸት በቕሎ።

  • ክብሮም እንድርያስ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ደብረ ሓርማዝ ቁሸት እንዳ ካህናት።

  • ሓዱሽ መብራህቶም ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወዲ ዓምበራይ ቁሸት ዓዲ ጋባት።

  • ቴድሮስ ሸዊቶም ዞባ ሴ/ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ ክልተ ቁሸት ዳብረ።

  • ተስፋይ ዳኘዉ ዞባ ማእኸል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ዓዲ ፍታዉ ቁሸት ዓዲ ሓንገለ ካልኦትን ዝርከብዎም መናእሰይ ኣንፃር ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ  ንምቅላስ ናብ መስርዕ ዴምህት ተፀንቢሮም፣

    እቶም መናእሰይ ናብ ዴምህት ተሰሊፎም ከቃለሱ ዘገደዶም ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝገለፅዎ። ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝፈጠሮ ፀገም ሰናይ ምሕደራ፤ ስእነት ስራሕ፤ ኣድልዎን ረገፃን መወዳእታ ስለ ዝተሰኣኖ። ነዚ ፀገማት ህዝቢ በቲ ገዛኢ ጉጅለ ዝኣምነሉ ኣፈሙዝ ብረት ገጢሞም ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ክጋደሉ ከም ዝመረፁ ኣረዲኦም፣