Friday, May 1, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ሰማያዊ ፓርቲ ብኣመሓደርትን ኣባላትን ናይቲ ስርዓት ይጋፍዑ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ገሊፆም።



    ምንጭታትና ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ትግራይ ከም ዝገለፅዎ፣ ኣመሓደርትን ኣባላትን ገዛኢ ስርዓት ህወሓት/ኢህወዴግ ንመምህር ገብሩ ሳምኤልን ካልኦት ኣባላት ተቓዋሚ ውድብ ሰማያዊ ፓርቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝሰርሕሉን ዝዓርፍሉን ቦታ እናዘሩ ንስኹም ኣሸበርትን ፀረ ልምዓትን ኢኹም እናበሉ የፈራርሕዎም ምህላዎም ተፈሊጡ።
    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ14 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ዝተገበረ ሰፊሕ ህዝባዊ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ስዒቡ ካድረታት ገዛኢ ስርዓት ኣብ ዓዲ ጎሹ ናብ ዝርከቡ ኣባላት ተቓዋሚ ዉድብ ሰማያዊ ፓርቲ መንበሪ ገዝኦምን ስራሕ ቦትኦምን ብተደጋጋሚ ብምኻድ ንስኹም ኣጭበርበርቲ ብተቓዉሞ ህዝቢ ንኢህወዴግ ገልቢጥኩም  ስልጣን ክትጭብጡ ትሓስቡ ዘለኹም ኢኹም ብምባል ናይ ምፍርራሕ ዘመተ ከም ዝፍፀምሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።