ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ብዘይ ናይ
ፆታን ናይ ሃይማኖትን ኣፈላላይ ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወድግ ጭርሖ ብምስማዕ ብጎደናታት እስቲፋኑስ ቤተክርስቲያን ገይሩ ናብ
ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር፤ ካብ መስቀል ኣደባባይ እናተበገሰ ናብ ኦሎምፒያ፤ናብ ሜክሲኮ መከላከያ ሚኒስተር፤ናብ ኣምባሳደር፤ ናብ ኡራኤል፤
ናብ ፖስታ ቤትን ካልኦት ጎደናታትን ብምዝዉዋር ዝተኻየደ ሓያል ተቓዉሞ ንመራሕቲ ጉጅለ ኢህወዴግ ብዘይገመትዎን ብዘይሓሰብዎን እዋን
ብፍፃሙ ዘሰምበገዶም ኮይኑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ፅልኣቱን ምረቱን ንዓለም ለኸ ትካላትን መንግስታትን ዘስማዓሉ ምንባሩ ብዙሓት ፖለቲከኛታት
ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓዉሞ ሰልፊ ብፌደራል ፖሊስን
ሰራዊት ምክልኻልን ተደብዲቦም ብከብዲ ካብ ዝተጎድኡ ሰልፈኛታት መንእሰይ ድማ ማሙሽ ተግኝ፤ ተምሃሪት ሳራ ኑረዲን፤ ገዲዮን ኣረጋ፤
ዩርዳኖስ ተክሌን ካልኦትን እንትኾኑ ሓደ ንግዝኡ ሽሙ ዘይነፀረ ድማ ብምሒር ምቕጥቓጥ ሂወቱ ከም ዝሓለፈ እቲ ሓበሬታ ወሲኩ የረድእ።