Friday, May 1, 2015

ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ምስ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ብምፅንባር ንቤት ምኽሪ ክልል ንክወዳደሩ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከቡ ወገናት ብናይ ሓሶት ምስክር ይእሰሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝሓበሩዎ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ፤ ወረዳ ጉሎ መኸዳ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ኣባላት ዝኾኑ ወገናት ብካድረታት ገዛኢ ስርዓት ብዝተዋደደ ምህዞ ምስ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ ርክብ ኣለዎም እናተብሃሉ ብናይ ሓሶት መሰኻኽር ይእሰሩ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እዞም ብዘይ ፍትሓዊ ተግባር ገዛኢ ስርዓት ዝእሰሩ ዘለዉ ሰባት ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም ተጠቒሞም ብምቅዋሞም ዘይተውሓጠሎም ኣመሓደርቲ ንመፃኢ መረፃ ተወዳደርቲ ኮይኖም ንከይቐርቡ ስለ ዘስግኡዎም ብ3 ሚያዝያ 2007 ዓ/ም ብሓሶት ምስክርነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፋፂ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ንዝኾኑ ንኣይተ ይኩኖ ኣምላክን ኣይተ ሙሉ ለገሰን ካብ ዛላምበሳን ከባቢኣን ንኣይተ ኣሉላ ክብሮምን ኣይተ ጌትነት ፀጋይን ድማ ካብ ፋፂ ኮይኖም ምስ ወለዶምን ኣዝማዶምን ከይራኸቡ ድማ ተኸልኪሎም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ወሲኾም  ኣረዲኦም።