Tuesday, May 26, 2015

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፋላለዩ ዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ተኸቢባ ኣብ ከቢድ ሓለዋ ከም ዘላ ተገሊፁ።



    እታ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ሃገርና ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ካብ 14 ግንቦት 2007 ዓ/ም ኣትሒዛ ኣምባገነን ጉጅለ ኢህወዴግ ብዘዋፈሮም ዕጡቛት ብፅኑዕ ትሕሎ ምህላዋ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቶም ዕጡቛት ድማ ናይ ክልል ፖሊስ፤ ፌደራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ብሓባር ብምዃን ንነባሪ ህዝቢ ፅዑቕ ኣብ ዝኾነ ሓለዋ ኣእትዮምዎ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
     ብተወሳኺ  ህዝቢ ኣብ ዘዕርፈሉን ዝእከበሉን ቦታታት ንዝረኸብዎ ስላማዊ ዜጋ ስለምንታይ ተኣኻኺብኩም?፤ ህዉከት ክተልዕሉ ኢኹም ደሊኹም? እናበሉ የጋፍዕዎ ብምህላዎም ነባሪ ህዝቢ ኣብ ጭንቕንቕ ኣትዩ ከቢድ ቅሬታ ሒዙ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣምባገነን ስርዓት ኢህወዴግ ደገፍተይ እዮም ንዝበሎም ተኣመንቲ ዕጡቛቱ መልሚሉ ብፉሉይ ኣሰልጢኑ ፍሉይ ሓይሊ ኢሉ ብምስያም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወልመራ ኣብ ዝተብሃለ  ቦታ ብሕቡእ ኣስፊርዎም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
    እቶም ብፉሉይ ዝሰልጠኑ ዕጡቛት ቀንዲ ልእኹትኦም እቲ ስርዓት ፍትሓዊ ተኣማኒ ነፃን ሰላማዉን መረፃ ከም ዘየካይድ ስለ ዝፈልጥ በዚ ዝተቖጥዐ ህዝቢ ኣብ እዋን መረፃ ከካይዶ ንዝኽእል ዓመፅ ብሓይሊ ኣፈሙዝ ብረት ንምብታን ትእዛዝ ንምቕባል ኣብ ተጠንቐቕ ከም ዝርከቡ ካብ’ቲ ዝበፀሐና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።