Tuesday, May 5, 2015

ኣማሓደርቲ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ኣብ ትሕቲኦም ኮይኖም ከገልግልዎም ዝፀንሑ ሰባት ህዝቢ ንህወሓት ኢህወዴግ ክመርፅ ጌርኩም ኣይጎስጎስኩምን ብምባል ካብ ሓላፍነቶም የውርድዎም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ኣባላቶም እምነት ስለ ዝሰኣኑሎም ነባሪ ህዝቢ ንህወሓት ኢህወዴግ ንኽመርፅ ዝድለይ ጎስጓስ ኣይገበርኩምን ብዝብል ምክንያት ካብ ሓላፍነቶም የውርድዎም ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም ዝኣለይዎም ኣይተ ሃፍቲ ናይ’ቲ ወረዳ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሮፖጋንዳ ህወሓትን ወ/ሮ ደስታ ማሙ ናይ’ቲ ወረዳ ሓላፊት ደቂ ኣንስትዮን ካብ’ቶም ካብ ሓላፍነቶም ክእልዩ ዝተገብረ ገሊኦም ከም ዝኾኑ ተገሊፁ።
እዞም ብደረጃ ሓላፍነት ክሰርሑ ፀኒሖም ሕዚ ክእለዩ ዝግበሩ ዘለዉ ሰባት ኣባላት ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ እቲ ስርዓት ዘለዎ ተቐባልነቱ  ባይታ ስለ ዝዘበጠ ሓለፍቲ እቲ ስርዓት ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ ሰባት ካብ ሓላፍነቶም ምውራድን ምድያብን ኣብ ሸራሮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ሃገር ዕለታዊ ተግባሮም  ኮይኑ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።