ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከባቢታት ወለጋ ዝነብር ህዝቢ
ኣንፃር ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝቕነዐ ተቓዉሞ ቀፃሊ የካየድ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ በዚ ዝሰግኡ መራሕቲ እቲ ክልል በዝሒ ቁፅሪ
ዘለዎም ኣባላት ድህንነት ናብቲ ቦታ ብምዉፋር ነባሪ ሕብረተሰብ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ዕለታዊ ስራሕቱ ከየሳልጥ ኣበይ ኔርካ ናበይ
ኢኻ እናበሉ የንገላትዕዎን ፀጉረ ለወጥ ብዝብል ይኣስሩን ይገርፉን እኳ እንተለዉ ኣመሓደርቲ እንከይተረፉ ምስ ህዝቢ ወጊኖም ነቲ
እከይ ተግባር ይቃወምዎ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ብ14 ሚያዝያ 2007 ዓ.ም ዝተኻየደ
ህዝባዊ ተቓዉሞ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ፌዴራል ፖሊስ ብምዉፋር በቲ ገዛኢ ስርዓት ምንም ጥፍኣት ንዘይብሎም ንፁሃት ሰባት ኣለዓዓልቲ
እናተብሃሉ ብለይቲ ተጨዉዮም ይዉሰዱ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መፃኢ ወርሒ ግንቦት 2007 ዓ/ም ዝካየድ
ምስሉይ መረፃ ህዝቢ ንኸይቃወም ኣቐዲምካ ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።