Friday, October 30, 2015

ዜና ኣብዚ ሰሙን እዚ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ተፀቢሮም፣ ካብ'ቶም ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦



1 መሰለ ሰረቀ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣ/ ማይ ኩሕሊ
2 ላይን ፍስሃ ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ከተማ ሸራሮ ጣብያ ሙሴ
3 ፅገ ገብረ ሚካኤል ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ገርሁ ስርናይ
4 ጎትኦም ዕሉም ካብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ጣብያ ህንፀት
5 ሓጎስ ቢሆን ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ደብረ ሓርማዝ
6 ጉዕሽ ኣሰሊ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ማይ ወይኒ
7 ደሳለ ወላይ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ እንዳልጌዳ
8 ሓለፎም ገብርህላሰ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ-ለኸ ጣ/ማይ ወዲዓበራይ
9 ሃይለሰላሰ ገብረኣነንያ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ሳዕስዕ ፃዕዳ እምባ ጣ/ፈረወይኒ
10 ኣብራሃም መድሃንየ ካብ ዞባ ማእከል ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ብርሽዋ
11 ወ/ር ተናኝ መሰሉ ካብ ክ/ሰራዊት 31 ሬ/ሜንት 9 ሓይሊ1 (መድፍዕ ኣጂ) ብሄረ ኣማራ
12 ወ/ር ኣርኣያ ኪዳነ ካብ ክ/ሰራዊት 25 ሬጅመንት 1 ሓይሊ 5 ጋንታ 2 ብሄረ ትግራይ ዝርከብዎ እንትኾኑ፥ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ ግዕዙይ ምሕደራ ብምቃዋም ሽግሮምን ሽግር ህዝቦምን ብዕጥቃዊ ቃልሲ ንምፍታሕ ናብ ዉድብ ዴምህት ኣትዮም፣
እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ መናእሰይ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ። መንእሰይ ኣብ መረበቱ ብምዃን ሰሪሑ ናብርኡ ዝመርሓሉ ዕድላት ስለ ዘየለ። ስራሕ ንምድላይ ናብ ከባቢ ሑመራ ኣብ ዝኸደሉ ድማ እቲ ከባቢ ደሪቑ ዝራእቲ ዝነብረ ዳግም ስለ ዝተሓረሰ። ናብ ቦትኡ መምለሲ ስኢኑ ብዘለዎ ፈቐዶ በረኻ ንምክርታት ከም ዝተቃለዐ ገሊፆም፣