Sunday, October 4, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ዘስካሕክሕ ድርቂ ህይወትን ሰብን እንስሳታትን ይቐዝፍ ምህላዉን መንግስቲ እንተኾነወን ርዳእታ ዘይምግባሩን ሓደ ሓደ ሙሁራት ንምንጭታትና ገሊፆም።



 ከም ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ድርቂ ኣብ  ህይወት ሰብን እንስሳታትን ከቢድ ፀገም እናውረደ እንትኾን ርዳእታ ምሃብ ሕዚውን ከምዘይጀመረን ንመፃኢ ኣብ ዝግበር ርዳእታ እንተኾነውን ንኣባላት ዓረና መድረኽ  ዝኾኑ  ወገናት ‘ዓረና ይሓግዝኩም’ ብምባል ካብ ርዳእታ ምሃብ ትልሚ ወፃኢ ምዃኖምን ድሕሪ ምግላፅ ገዛኢ መንግስቲ ዋላ  ሓንቲ ናይ መፍትሒ ኣንፈት ዘይምህላውን ካብዚ ሓሊፎም ካድረታት ህወሓት ነቶም ገባራት “ ከብትኹም ሸይጥኩም ተገላገሉ ብምባል መምርሒ የወርዱ ምህላዎም ኣረዲኦም።

     ኣብቲ ክልል መብዛሕተአን ወረዳታት ብሓደጋ ድርቂ እናተሓሰያ እንትኾኑ ካብተን ዝኸፈአ ጉድእት ካብ ዝወረደን   ኣብ ወረዳታት ኣፅቢ ወንበርታ 12  ቀበሌታት፤  ብዙሓት ቀበሌታት ክልተ ኣውላዕሎ  ፤መብዛሕትአን ቀበሌታት ራያ ዓዘቦን ራያ ኣለማጣን  ፤ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ቀበሌታት ኦፍላ ፤ ብዙሓት ቀበሌታት ሕንጣሎ ዋጅራት፤ ልዕሊ ፍርቂ   ቀበሌታት ሰሓርቲ ሳምረ ፤መብዛሕትአን ወረዳታት ጣንቛ ኣበርጋለን ካብ ዞባ ምዕራብ ድማ ብዙሓት ቀበሌታት  ከምዝኾና  ተገሊፁ።
 እዚ ከምዚ እንከሎ ክሳብ ሕዚ ንእንስሳ ይኹን ንሰብ  ርዳእታ ምቕራብ  ከም ዘይተጀመረን በቲ ድርቂ ኣብ  ዝተሃስያ ቀበሌታት ዝነብሩ ኣባላት ውድብ  ዓረና ዝኾኑ ዜጋታት ካብቲ መፅናዕቲ ወፃኢ ከም ዝገበርዎም ተፈሊጡ።