Friday, November 6, 2015

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ህዝቢ ሃመር ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ እቲ 25% ተፀባይ ሓገዝ ኮይኑ ኣብ ዘለሉ ቀልጢፉ ዝበፅሓሉ ኣካል መንግስቲ ብዘይ ምርካቡ ብጥሜት ይሳቐ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



  በመሰረት'ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ደቡብ ከባብታት ሃመር ኣጋጢሙ ብዘሎ  ሕፅረት ድርቂ  ኣብ ልዕሊ ሰብን ጥሪትን ከቢድ ሓደጋ ኣንፀላልዩ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ኣብ ጠቕላላ በዝሒ ናይ'ቲ ነባሪ እቲ 25 ሚኢታዊት ህዝቢ  ተፀባዪ ሓገዝ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ በቲ ገዛኢ ስርዓት ቆላሕታ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ግዳይ ጥሜት ዝወለዶ ስቓይ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊፁ።
     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ሰበ ስልጣን  እቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ብተርኣዮ ዘላ ተዓፃፃፊ  ዕቤት  ንመፃኢ  ሰለስተ ዓመት ንህፁፅ ሓደጋ ክወዕል ዝኽእል  ዕቑር እኽሊ ከም ዘለዎም ክዛረቡ ዝፀኑሑ  እንትኾኑ  ይኹን 'በር ብሃገር ደረጃ ብድርቂ ተሃስዩ ንዘሎ 8.5 ሚልዮን ህዝቢ ንምቕላብ 500 ሚልዮን ዶላር  ከም ዘድልዮም  ናብ ዓለም  ለኸ ወሃብቲ ሓገዝ ናይ ልመና ምሕፅንታ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ ነቲ ቅድም ክብሉ ንሰለስተ ዓመት ንህፁፅ ሓደጋ ዝኸውን ኣለና እናበሉ ዝምድርዎ ዝነበሩ ዘይኮነስ ። ሕዚ ንሰለስተ ዓመት እሞ ይትረፍ ንሰለስተ ወርሒ ምቕላብ ተሳኢንዎም ኢዶም ዘርጊሖም ናብ ልመና ምቕራቦም ኩሉ ዘረብኦም ብፕሮፖጋንዳ ንህዝቢ ዓለም ንምድንጋር ዝግበር ፖለቲካዊ ሃልኪ ካብ ምዃን ዝስገር ተግባር ከም ዘይብሎም ዘግህድ ኮይኑ ይርከብ።