Friday, November 6, 2015

ኣብ ሰሜን ጎንደር ኣብ ዝርከብ መሬት ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻዊ ስራሕቲ ናይ ዝተዋፈሩ ኢንቨስተራት ካምቦ ብወተሃደራት ሱዳን ተቓፂሉ ሰራሕተኛታት ድማ ተቐቲሎም።



ብመሰረት ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ። ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆን መተማን ኣብ ዝርከብ መሬት ኢትዮጵያ ሕርሻዊ ስራሕቲ ዘካይዱ ኢንቨስተራት፣ ብወተሃደራት ሱድን ብለይቲ ካምቦታቶም ብሓዊ ተቓፂሉ እንተዓኑ ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ መዓልታዊ ሰራተኛታት ድማ ከም ዝተቐተሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ብፋላይ ኣይተ ኪዳነ ዝተብሃሉ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ዝኾኑ በዓል ሃፍቲ ኣብ ከባቢ ታሕታይ ኣርማጭሆ (ዶብ ሱዳን) ዝተዓደሎም ሰፊሕ ሕርሻ መሬት ዝሰርሕዎ ካምቦ ምስ ሙሉእ ማሽነሪ ንብረቱ ብለይቲ ምስ ኣቃፀልዎ ንቕድሚኦም ዝረኸብዎም ዕለታዊ ሰራሕተኛታት ድማ ቀቲለሞም ኣብ ዝኸድሉ ግዜ ብወገን ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ግን ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ዘየለ ተገሊፁ።
ብስቕታ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተቐጠዐ ነባሪ ህዝቢ ወረዳ ታሕታይ ኣርማጭሆ ድማ ኣሕዋትናን ደቅናን ዝኾኑ ወገናትና ዝፈፀምዎ ዘይብሎም ብባዕዳዉያን ወተሃደራት ሱዳን ተቐቲሎም መንግስቲ ንምታይ ግብረ መልሲ ዘይህብ ብምባል ብሓደ ኮይኑ ተቓዉሞን ዕግርግርን ኣብ ምካይድ ዝርከብ ኮይኑ። በዚ ተቓዉሞ ህዝቢ ዝተሰናበዱ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ከዓ ናብቲ ከባቢ ሰራዊት ምክልኻልን ፌዴራል ፖሊስን የፀግዑ ምህላዎም ተገሊፁ።