Friday, February 5, 2016

ኣብ ፓርላማ ናይ መንግስቲ ወፃኢ ምምሕዳርን ቁፅፅርን ጉዳይ ቀዋሚ ኮሚቴን ናይ ፌደራል ዋና ኦዲተር ዝተረኽበሉ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ሓለፍቲ ሚኒስተር መዓድን ብኣኹም ሃገር ትዉረር ኣላ ተባሂሎም ከም ዝተወቐሱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስተር ፔትሮሊየምን ናይ ተፈጥሮ ጋዝን ኣብ ዝሓለፈ 18 ጥሪ 2008 ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ ናብ ፓርላማ ክቐርቡን ኣብ 2005 ዓ/ም ዝተገብረ ኦዲት፣ ብኽቡራትን ክፋል ኽቡራትን መዓድናት ፍቓድ ምምሕዳር ዕደጋን ቁፅፅርን ኣመልኪቱ ዝተረኸቦም ሽግራት ንምቕራፍ መብርሂ ንኽህቡ ተሓቲቶም ዝነበሩ እንትኹ፣ ብዋናነት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሚኒስተር ኣቶ ቶሎሳ ሻጊ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ እንትኾኑ፣ ብምኽትል ሚኒስተር ዴኤታ ዶ/ር ዋቅጋሪ ፉሪ ዝምርሑን ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ጉጅለ ኣብ ፓርላማ ፍሉይ መአከቢ ኣደራሽ ብምርካብ፣ ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ከም ዝተልዓሉ ተፈሊጡ።
ካብቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ድማ እቲ ሚኒስትሪ ንሰለስተ ኩባንያታት ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ናይ ምዓድን ኣፍረይቲ ፍቓድ ኣብ ምሃብ ሽግራት ከም ዘለዉዎን፣ ከምኡ 'ዉን ናይ መዓድን ስራሕቲ ሓለዋ ኣከባቢ ዘየገናዘቡ ከም ዝኾኑ ዝተልዓሉ እንትኾኑ፣ ናይ ምዝዉዋር ፍቓድ ዝተዉሃቦም ኣዘዋወርቲ ኩቡራት መዓድናት ዝረኸብዎ ሕጋዊ ምንጭን ከባቢኦም እቲ ሚኒስትሪ ዝከታተለሉ ስርዓት ከም ዘየለ ኣብቲ ኣኼባ ተገሊፁ።
ነቲ ዕድል ተጠቒሞም ሕቶኦም ካብ ዘቕረቡ ኣባላት ድማ  ወ/ሮ ስፍራሽ ብርሃነ ሓንቲ እንትኾና እቶም ናይ ስራሕ ሓለፍቲ ድማ ዝግባእ መልሲ ከም ዘይሃብሉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።




No comments:

Post a Comment