Monday, January 2, 2017

ፀልማት ተሃድሶ፡



ህዝብና ሰላም ረኺቡ ናይ ፍትሒ ተጠቃምን ናይ ስልጣን በዓል ዋና ዝኾነሉ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ክብል ብቕልፅሙ ነቶም ጨና ህዝባውነት ዘይነበሮም ጨቆንቲ ስርዓታት ሓመደ ድበኦም የእትዩ ከም ዝመፀ ናይ ቀረባ ታሪኽ እዩ።
ኮይኑ ግን ከመዮ "ክንዲ ዘኾሎስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ "ዝበሃል ምስላ ወለዲ፣ ብናይ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቃልሲ ተሓዚሉ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ስርዓት ኢህወደግ፣ ካብቶም ዝሓለፉ ኣምባገነናት ኣቦታቱ ወሪሱ ስልጣን ህዝቢ ንበይኑ ብሒቱ ኣብ ልዕሊ ነቲ ብደሙን መስዋእቱን ዘደየቦ ህዝቢ፣ መዓልታዊ እዚ ኢልካ ክትግምቶ ዘፀግም ግፍዕን በደልን ከውርድ ፀኒሑን ኣሎን። ነቲ ኣብ ልዕሊ ወገኑ በቢ እዋኑ ዘብፅሖ በደል ንምእራም ህዝቢ ዝህቦ ምኽርን ማዕዳን እናጠንጠነ ናብ ዝበኣሰ ዕንወትን ዕግርግርን ከም ዘምረሐ ዝፍለጥ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መማረፅታት ፈቲኑ ምላሽን ፍታሕን ኣብ ዝሰኣነሉ፣ ከም ቀደሙ ብቓልሱ ናይ ስርዓት ለውጢ ክገብር ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከባብታት ናይ ሃገርና ኣንፃሩ ዝተልዓለ ህዝባዊ ዓመፅ ተላዒሉ ይርከብ።  
በዚ ዝተልዓለ ድማ ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ነቲ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ ቃልሱ ዘቀፃፅል ዘሎ ህዝቢ፣ ነቲ ህዝባዊ ዓመፅ ኣንፈቱ ንምስሓት  ኢሉ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጁ ናብ ህልም ዝበለ ወታደራዊ ትእዛዝ ኣትዩ፣ ኣብ ልዕሊ ኑፁህ ወገን ዘካይዶ ዘሎ ዓፈናን ግፍዕን ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ኣምሓራን ኦሮምያን መናእሰይ ካብ ማእኸል ጎልጎል እናተኣረዩ ናብ ኣብያተ ማእሰርትን ወታደራዊ መሰልጠንን ክወርዱን ፈሪድዎም ኣሎ።
ብፍላይ ናብ ብርሸለቆ፣ ጦላይ፣ ይርጋለም፣ ኣዋሽ ዘጠነኛን ካልኦት መሰልጠኒ ቦታታት መናእሰይ ሃገርና ንመሰሎምን ተጠቃምነቶምን ስለ ዝሓተቱን ስለ ዝተቓወሙን ብሓይልታት ፀፅታ ናይቲ ስርዓት ብበትሪ ክግረፉን ብተኹሲ ጠያይት ሂወቶም ክስእኑን ተፈሪዶም እዮም። ኣብዞም ተሃኒፆም ዘለው ወታደራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ዋላ ሓደ ገበን ዘይብሉ ንፁህ ወገን ብጥርጣረን ስግኣትን ብሓይልታት ፀፅታ መዓልታዊ ካብ ውሻጠ ገዛን ካብ ጎደናታትን ብኽሳዶም ተጎቲቶም ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣትዮም ብጥምየትን ፃምእን ኢሉ ‘ውን ካብ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ዝኸፈአ ናይ ገበነኛ መመርመሪ መሳርሒ (ቶርቸር) የእቲዩ ብምስቓይ ዘይውዓልዎ ፍፃመ ገበነኛ እየ ኣይደግምን በል እናተብሃሉ ዝሳቐዩ ዘለው ዜጋታት መቑፀሪ የብሎምን።
በዚ መሰረት እዚ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ‘ዚ ነቲ መሰለይ ዝበለ ኑፁህ ወገን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናእተወ፣ ንሱኹም መሰል ዝበሃል ኣየድልየኩምን። ዝኾነ ዓይነት ሕቶ እንተልዒልኩም ዕጫኹም እዚኣ እያ እናበለ ኣረሜናዊ ተግባሩ እናፈፀመ ኣገዲዱ ተናዘዙ ካብዚኣ ምስ ወፃእኹም ድማ ናብ ረብሻን ህውከትን ኣይምለስን ወይ ኣይኣቱን ኢልኩም ማሕላ ፈፅሙ እናበለ ንውሱናት ትርጉም ዘይብሉ ናይ ዓፈና ታርጋ ለጢፉ ክለቆም ከሎ እቶም ኣብዛሓ ድማ ኣብ ትሕቲ ስቓይ  ኮይኖም ንለውጢ የቃሙቱ ኣለው።
በዚ ኩነታት ኣብ ስግኣት ውሽጢ ተዋሒጡ ዘሎ ጠቕላይ ሚኒስተር ናይቲ ስርዓት ነቶም ንመሰሎምን ተጠቃምነቶምን ክብሉ ዘቕረብዎ ሕቶ ምላሽ ስኢኖም ተገዲዶም ናብ ኣደባባይ ወፂኦም ዝተቓወሙ ዜጋታት ዓመፅ ኣለዓዒልኩም እናተብሃሉ ናብቶም ወታደራዊ መሰልጠንታት ወሪዶም ኣዋርሕ ፈፈው ክብሉ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብዚ ቅንያት "ኣይደግምን" ብዝብል ምልክት ዘለዎ ብጣስ ጨርቂ ከዲኑ ነቲ ሉሙድ ተግባር ኣልቦ ፕሮፖጋንዳ ክነዝሕን ክሰብኽን ተራእዩ።

ካብቶም ምስሉያት ቃላቱ ንዝተወሰነ ንምግላፅ ዝኣክል፣ መንግስቲ ናይ ባዕሉ ጌጋታት ዘለዎ ምዃኑ ብምእማን ነቶም ጉድለታትና ንምእራም ድማ ብተሃድሶና ተኣሪምና ኣለና፣ ንሱኹም ‘ውን በዚ ናይ ተሃድሶ ታዕሊም ገይርኩም ኣለኹም ዝብል ምሕፅንታ እኳ እንተስመዐ፣ ነዚ ተግባር እዚ ግን ብዙሓት ተንተንቲ ፖሎቲካን ሙሁራትን "ብርለ እንተነቒዑ ኣብቂዑ" እቲ ዝበሃል ዘሎ ተሃድሶ ድማ መንገዲ ፀልማት እዩ ኣብ ምባል እዮም ዝርከቡ።
ምኽንያቱ መራሕቲ ኢህወዴግ ካብ መብፀዓን ቃልን ብዝዘለለ ካብቲ ኣረሜናዊ ተግባሮምን ህልም ዝበለ ፃምእ ስልጣንን ተቖጢቦም ንህዝብን ሃገርን ዝቑርቆር ሕልናን ህዝባዊ ውግንናን ወኒኖም ብተግባር ክሰርሑን ሃገር ካብ ምብትታንን ድኽነትን ከምዘየድሕኑ ህዝቢ ኣጋላቢጡ ይፈልጦም እዩ። ስለዚ ሕዚ እውን ብምኽንያት እቲ ኣውፂእዎ ዘሎ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ተኸቲሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕን በደልን በቲ ሓደ በቲ ኻልእ ድማ እቲ ዝገብሮ ዘሎ ናብ ፀልማት ዘእቱ ተሃድሶ ከብቅዕ ኩሉ ዝከኣሎ ይግበር።

እቲ ምንታይ መሰለይ ይተሓሎ ዝበለ ውፁዕ ናብ መፃወድያን ኣብያተ ማእሰርትን ወታደራዊ መሰልጠንን ተኾብኪቡ መንገዲ ፀልማት ተሃድሶ ስለዝፍረዶ።
  

No comments:

Post a Comment