Monday, November 19, 2012

ብሽም ፍቓድን ባዕሎም ጠፍኦምን ከይዶም ናብ ኣሃዱኦም ዘይተመልሱ ወተሃደራት ወያነ-ኢህወዴግ እናተሃደኑ ንኽታሓዙ ውጥን ከም ዝውፀ ምንጭታትና ገሊፆም፣

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ገዳም ዋልድባ ግድብ ክሰርሕ ጀሚሩ ዝነበረ ካምፓኒ ስርሑ ኣቋሪፁ ይወፅእ ከም ዘሎ ተሓቢሩ፣



ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ካብ ዉሉድ ወለዶ ንዘምናት ሒዞም ዝመፁ እምነት። ሊባኖሳዉያን ሰበኽቲ ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ እናተሓገዙ ብሓይሊ እምነቶም ንምልዋጥ ይፅዕሩ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣



በአፋር ክልል የሚገኙ የክልሉ የመንግስት ሽሞኞች በኢህአደግ ስርዓት ውስጥ በተከሰተው አለመተማመን ምክንያት ከሃላፊነታቸው እየተወገዱ መሆኑ ከቦታው የደረሰን ዘገባ ያመለክታል ፣


ኣብ ክልል ዓፋር ላዕለዎት ኣዘዝቲ ፌዴራል ፖሊስን ምክልኻል ሰራዊትን ኣብ ከተማ ሎግያ ኣብሃና ዝተባሃለ ሆቴል ዕፅዉ ኣኼባ የካይዱ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ፣



አምባገነኑ የኢህአደግ መንግስት በመከላከያ ሰራዊት ላይ ባለው አያያዝና በሚያደርሰው አላስፈላጊ ጫና ምክንያት በርካታ የስርዓቱ ወታደሮች በጭንቀት እራሳቸውን ሲያጠፉና ሲያቆስሉ ማየት ዕለታዊ ክስተት እየሆነ መምጣቱ ከቦታው የደረሰን ዘገባ ያመለክታል፣




ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ ብዋና ኣማሓዳሪ ጥላሁን በርሀ ዝምራሕ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ዝምልከት ኣኼባ ብህዝቢ ዓብይ ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ተሓቢሩ፣