Sunday, December 14, 2014

በብሄር ብሄረሰቦች በዓል የሚነግድ ስርአት!!

ብሽም ምኽባር ባዓል ብሄር ብሄሰባት ዝሽቅጥ ስርዓት!

የትግራይ ህዝብ በገዢው ህወሃት ኢህአዴግ አመራር እየደረሰበት ያለውን ስቃይና አፈና መሸከም ስላልቻለ ታግለን ሌላኛውን ደርግ አመጣን በማለት ብሶቱን እያሰማ መሆኑን ምንጮቻችን ከአካባቢው ገለፁ።

አዲስ አበባ ከተማ ውስጥ የሚኖረው ህዝብ እያንዳንዱ እንቅስቃሴው በኢህአዴግ የደህንነት አባላት ጥብቅ ክትትል እየተደረገበት በመሆኑ እለታዊ ስራዎቹን ማሳለጥ እንዳልቻለ ተገለፀ።

በኦሮሚያ ክልል የሚገኙ ተቃዋሚ ድርጅቶች ሰላማዊ ሰልፍ እንዳያደርጉ ስለተከለክከሉ ህዝብ የሚያነሳሱ ፓምፕሌቶች በብዛት በመበተን ላይ እንደሚገኙ ምንጮቻችን ከቦታው ገለፁ።

በአክሱም ከተማ የህዳር ፅዮንን በዓል ለማክበር የተሰበሰቡ መዕመናን የገዥው ስርዓት የድህነት አባላት አሽባሪዎች ገብተዋል በማለት ባሰራጩት ወሬ ተደናግጠው ከቤተክርስትያኑ ሸሽተው እንደወጡ ምንጮቻችን ከከተማዋ ገለፁ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ተቓወምቲ ዉድባት ሰላማዊ ሰልፊ ንኸየካይዱ ስለ ዝተኸልከሉ ንህዝቢ ዘለዓዕሉ ወረቓቕቲ ብበዝሒ ኣብ ምብታን ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ ብገዛኢ ዉድብ ህወሓት-ኢህወዴግ ይበፅሖ ዘሎ ስቓይን ዓፈናን ክፃወሮ ስለ ዘይከኣለ ተቓሊስና ካልኣይ ደርጊ ኣምፂእና ብምባል መረረቱ የስምዕ ምህላዉ ምንጭታትና ከብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሱ ብኣባላት ድህንነት ጉጅለ ኢህወዴግ ፅዑቕ ቁፅፅር ይካየድሉ ብምህላዉ ዕለታዊ ስራሕቱ ከሳልጥ ከም ዘይከኣለ ተሓቢሩ።

ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ተንቀሳቒሶም ዝሰርሑ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ነጋዶ ኣብ ዝረኸብዎ መድረኻት ነቲ ስርዓት ብምቅዋሞም ምፍርራሓት ይበፅሖም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።