Friday, August 28, 2015

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ መብራህቲ ጠቕሊሉ ብዘይ ምህላዉ ሰብ ትካላት ንኽሳራ ከም ዝተቓልዑ ብ13 ነሓሰ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቢሩ።



ኣብ ከተማ ነቀምቴ መንበሪ ኣባይቲ ብዶዞራት ኣፍሪሶም ንድያስፖራ ክዕድሉ ዝተንቀሳቐሱ ዕሱባት ገዛኢ ስርዓት ብነባሪ ህዝቢ ዓብዪ ተቓዉሞ ከም ዘጋጠሞም ተፈሊጡ።



ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ጉባኤ ህወሓት ጥርዓን መሬትን ካልእ ፍታሕ ዝሰኣኑ ፀገማት ህዝብን ሒዞም ዝቐረቡ ወኪላት ዓበይቲ ዓዲ መታለሊ መልሲ ከም ዝተወሃቦም ምንጭታና ገሊፆም።





ብሽም ሸዉዓተ ዓመት ኣገልግሎት ዝወድኡ ወተሃደራት ንዘይ ተደለዩ ንምፍናዉ ዝቐረበ ሓሳብ ኩሉ ሰራዊት ኣፋንዉና ስለ ዝበሎም ምኽንያት ፈጢሮም ጠጠዉ ከም ዘበልዎ ተሓቢሩ።

ብጀነራል ሳሞራ ዮኑስ እናተመርሐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ገምጋማዊ ኣኼባ ብዘይ መዕለቢ ከም ዝተበተነ ተገሊፁ።