Sunday, November 26, 2017

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ መድረኽ፤ኣብ ከባቢና ሰናይ ምምሕዳር ክነግስ ኣይካኣለን ክብሉ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኡን ዝርከቡ ወገናት ገሊፆም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ መካነ ሰላም ዝርከቡ ነበርቲ መንግስቲ ንልምዓት ኢሉ መሬቶም ብምምንጣል ካብ ቦታኦም ከምዘፈናቐሎምን ግቡእ ካሕሳ ድማ ከምዘይተውሃቦምን ኣፍሊጦም።

ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ድሬዳዋ ብሕፅረት ትራንስፖርት ይሳቐዩ ምህላዎም ገሊፆም።

ከተማ ኣላማጣ ናይ መብራህቲ ፀገም ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ ነበርታ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ናይ 40ን 60ን ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ብምኽንያት ሕፅረት ናውቲ ከምዝተጓተቱ ተገሊፁ።

ባለፈው አመት ከተካሄደ በጥልቅ የመታደስ መድረክ በኃላ በአከባብያችን መልካም አስተዳደር መንገስ አልቻለም ሲሉ በአክሱም ከተማና አከባቢዋ የሚገኙ ወገኖች ገለፁ።

በደቡባዊ ወሎ ዞን መካነ ሰላም ከተማ የሚገኙ ነዋሪዎች መንግስት ለልማት ብሎ መሬታቸው በመዉሰድ ከቦታቸው እንዳፈናቀላቸውና ተገቢ ካሳ እንዳልተሰጣቸው አስታወቁ።

የድሬዳዋ ከተማ ነዋሪዎች በትራንስፓርት እጥረት ምክንያት እየተሰቃዩ እንደሚገኙ ገለፁ።