Tuesday, February 25, 2014

ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ መበል 13 ዓመት ካብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዴምህት ዝተወሃበ ውድባዊ መግለፂ!



    ኣብ ውሽጥን ወፃእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ንጅግና ሰራዊት ዴምህትን ኣባላትናን ደገፍቲ ቃልስናን እንኳዕ ንመበል 13 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ኣብፅሓና ኣብፀሓኩም።
    ከም ዝፍለጥ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ካብ ትኣቱ ኣስታት 23 ዓመታት’ኳ እንተቑፀረት ብሰንኪ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ መላኺ ስርዓት ግን ምዕባለ ሃገርናን ህዝብናን ክረጋገፅ ኣይካኣለን።
 ምኽንያቱ መዐቀኒ ዕብየትን ግስጋሰን ናይ ሓንቲ ሃገር እቲ ስርዓት ኣመዝጊበዮ ዝብሎ ኣብ ባይታ ዘይረአ ዕብየት ዘይኮነስ  መነባብሮ ህዝቢ ተማሕይሹ ዜጋታት ማዕረ ተረባሕቲ ሃፍቲ ሃገሮም ኮይኖም ኣብ’ታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ምስ ዝህሉ ጥራሕ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓትን ኣካይዳን ግን ምስ’ዚ ሓሳብ‘ዚ ዝቃዶን ዝኸይድን ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ ከመይ ገይርና ንህዝቢ ዓፊናን ጨፍሊቕናን ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን እናገበትና ንነብር ዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ ዘለዎ።
   ስለዝኾነ’ውን ነቲ ጨና ህዝባውነት ዘይብሉ ኣካይድኡ ንምትግባር ክብል ኩሉ ግዜ ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ዝመንጨወ ኣሰራርሓ እንተሰጉም’ዩ ዝረአ፣ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ህወሓት ኢህወዴግ  ካብ ሕሉፋት ኣያታቶም ዘይመሃሩ ኮይኖም’ምበር ንህዝቢ ብሓይሊ ዓፊንካ ዕድመ ስልጣንካ  ምንዋሕ ከም ዘይከኣል ናይ ትማሊ ታሪኽ ክዝክሩ ምተገበአ ነይሩ። እንተኾነ ግን “ፈሊጡያ ዝደቀሰስ እንተነቕነቕካዮ ነይሰምዕ” ከም ዝበሃል መራሕቲ ህወሓት ኢህወደግ እናፈለጡ ይፍፅምዎ ብዘለው ግዕዙይን ዓፋንን ምሕደረኦም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይበፅሖ ካብ ዘሎ በደል ተበጊሱ ብጥራይ ኢዱ ከይተረፈ ኣንፃሮም ተላዒሉ ዝቃለሰሉ እዋን በፂሑ ይርከብ።
     ውፁዕ ህዝብና ስርዓት ወያነ ብሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ካብ ስልጣኑ ክእለ ከም ዘይሕለምን፤ በዚ ንህዝብን ሃገርን ዘይሓሊ ውልቀ ጥቕሚ ዝሰረቱ ጉጅለ ረብሓታቱ ክረጋገፅ ከም ዘይኽእልን ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ’ዩ ጥራይ ዘይኮነስ። ነቶም በሰላማውን ፖለቲካውን መንገዲ ለውጢ ክነምፅእ ኢና ኢሎም ዝንቀሳቐሱ ዘለው ወገናት’ውን ከይተረፈ ንዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ተጠቒሙ በቲ ሒዞምዎ ዘለው መንገዲ ለውጢ ክመፅኡ ከም ዘይኽእሉ ብግልፂ ይነግሮም ኣሎ፣ እዚ ድማ ነቲ ወድብና ቅድሚ 13 ዓመት ዝወሰዶ መርገፂ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘጉልብትን ዘሕይልን እንትኸውን። ብኣንፃሩ ድማ ንዕድመ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዘሕፅር ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኢትዮጵያ!
ኣብ ውሽጢ’ዞም ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ’ቶም ሕሉፋት ስርዓታት ብዝኸፍአ መልክዑ ስርዓት ህወሓት ኢህወደግ ኣብልዕሌኻ ሰፍ ዘይብል ኣደራዕን ጭቆናን ኣብ ልዕሌኻ እናፈፀመ ፀኒ መራሕቲ ኢህወደግ ኣብ ክንዲ ኣብ መነባብሮኻን ዕብየት ሃገርካን ለውጢ ከምፅኡ ዝፅዕሩ፤ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፤ ሰእነት ስራሕ፤ዘይተኣደነ መዋጮታትን ግብርን ካልኦት ማሕበራዊ ቅልውላዋት ብምፍጣሮም ምኽንያት ተማሪርካ ዓድኻ ገዲፍካ ክትጠፍኣሎም ይገብሩ ኣብ ዘለውሉ እዋን። በቲ ብዘገርም ኩነታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቀባልነቶምን ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሰንብድ ህዝባዊ ተቓውሞን ስለ ዝሰግኡ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ንዝካየድ ምስሉይ መረፀኦም ንምድንጋር ምእንቲ ክጥዕሞም ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ተጋጊና ነይርና መሓረና እናበሉኻ ይርከቡ።
 እዚ ድማ ንህዝብና ሓዱሽ ነገር ከም ዘይኮነን መረፃ ክሳብ ዝሓልፍ ዝጥቀምሉ ዘለው ዝበለየ ሜላ ምዃኑን ትፈልጦ ኢኻ። ስለ ዝኾነ ኣብ ሃገርና ሰላምን ዴሞክራስን ክዕንብብን መሰረታዊ ለውጢ ክመፅእን  እንተኾይኑ። ኣብ መቓብር መራሕቲ ወያነ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ውዳበታትካ ኣሐይልካ ኣብ ጎኒ ውድብካ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ደ.ም.ህ.ት/ ኮይንካ ክተካይዶ ዝፀናህኻ ደገፋት ኣሕይልካ ክትቅፅለሉ በዚ ኣጋጣሚ ዴምህት ይፅውዕ።
     ዝኸበርካ ጅግና ሰራዊት ዴ.ም.ህ.ት!
 ኣብ ውሽጥ’ዞም ዝሓለፉ ጉዕዞ ቃልስና እናኸፈልካዮ ዝመፃኻ መስዋእትን ብዘገርም ጅግንነት እናኃፈስካዮም ዝመፃእካ ዓበይቲ ዓወታትን ውድብና ናብ ዝበረኸ ደረጃ ዕብየትን ግስጋሰን እናመረሸ ይርከብ፣ እዚ ድማ መሰረት ህዝባውነትካን ንፁር ዕላማኻን’ዩሞ ሕዚ’ውን ንሕሉፋት ዓወታትካ ዓቂብካ ዝጀመርካዮ ጉዕዞ ቃልሲ ኣብ መወዳእትኡ ክሳብ ዝበፅሕ እንከይተሓለልካ ህዝባዊ ተጋድሎኻ ክተሐይል ይግባእ በዚ ኣጋጣሚ ድማ እንኳዕ ናብ’ዚ ዕለተ ልደት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና መበል 13 ዓመት ኣብቀዐካ ክንብል ንፈቱ።
ዝኸበርኩም ተቓወምቲ ውድባት ሃገርና!
ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ’ዞም ዝሓለፉ 13 ናይ ቃልሲ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ውልቀ መላኺ ስርዓት ወያነ ዓበይትን ኣንፀባረቕትን ዓወታት እናመዝገበ መፂኡን ኣሎን። ዴምህት ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ስርዓት ወያነ ብዕጥቃዊ ቃልሲ’ምበር ብሰላማውን ፖለቲካውን ቃልሲ ከም ዘይእለን ፀገም ህዝብናን ሃገርናን ከብቅዕ ከምዘይኽእልን ዘየማትእ መርገፂ ሒዙ ብተደጋጋሚ እናገለፀ ፀኒሑ’ዩ።
  ይኹን’ምበር ነቲ መፍትሒ ከምፅእ ዝኽእል መንገዲ ብዘይ ምኽታልን ሓቢርካ ውፅኢታዊነት ዘለዎ ስራሕ ብዘይ ምስራሕን እቲ ዝድለ ለውጢ ክመፅእ ኣይከኣለን፣ ስለ’ዚ ብኽልቲኡ ኣንፈት ኮይናን ኣንፃር እዚ ስርዓት ንቃለስን ውድባት ንህዝብና ለውጢ ክነምፅኣሉን ካብ’ዚ ዓፋንን ጨፍላቕን ዝኾነ ስርዓት ሓራ ከነውፅኦን እንተደኣ ኰይና ሕዚ’ውን ሓድነትና ክነጠናኽርን ለውጢ ከምፅእ ንዝኽእል መንገዲ ክንክተልን ይግባእ።
     በዚ ኣጋጣሚ ድማ ዴ.ም.ህ.ት ሎሚ’ውን ከም ቀደሙ ምስ ኩሎም ብሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣምኑ ኣንፃር ስርዓት ወያነ ዝቃለሱ ውድባት ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ስራሕ ሓቢሩ ንምስራሕ ቁሩብ ምዃኑ የረጋግፅ፣ ደጊምና እንኳዕ ንመበል 13 ዓመት 19 ለካቲት ምጅማር በረታዊ ቃልስና ኣብፃሓና ኣብፃሓኩም።  
                                  ናብ ዘይተርፍ ዓወት ብፅንዓት ንምርሽ!
                                  ዓወት ንውፅዓት!
                        ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴ.ም.ህ.ት/