Saturday, November 1, 2014

ናይ መከራ ቆፀራ!! ካልአይ ካፋል!




ዝኸበርኩም ተኸታተልትና አብ ዝሓለፈ ሰሙን “ ናይ መከራ ቆፀሮ” ብዝብል ርእሲ ናይ ዘቕረብናዮ ቀዳማይ ክፋል ኣቕሪብናልኩም ከምዝነበርና ይዝከር። ካልኣይ ክፋሉ ይቕፅል።
     ክሳብ 1997 ዓ/ም መበል ሳልሳይ እዋን መረፃ። መብዛሕትኡ ተስፋ አሕዲሩ ነይሩ፣ እዞም ብከፋፊልካ ግዛእ ስልቲ ዝፍለጡ መራሕቲ ግን። ብአፎም መሪቖም ከብቅዑ ብልቦም እናተራገሙ ንዘሕልፍዎም መልእኽታት ሓቂ ይመስሎም ነይሩ፣ ብዝዛረብዎ ቃል፤ ብናይ ህዝቢ ደምን መስዋእትን ይሽቅጡ ከም ዘለው ዘይፈለጠ አዝዩ ብዙሕ ነይሩ፣
    ብ7/ግንቦት/1997ዓ/ም አብ ዝነበረ ናይ መከራ ቆፀራ። መድብለ ፓርቲ ስርዓት / Multy Party System / ክነረጋግፅ ኢና ኣብ ዝበልሉ እዋን። ህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ድምፁ ብምስማዕ ኣይንደልየኩምን፤ ይኣኽለኩም ዋላ እንተበሎም ታሪኽ ዘይርስዖ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንፁህ ህዝቢ ከቢድ ግፍዒ ፈፂሞም፣
   ኣብዚ ናይ መበል ሳልሳይ ናይ መከራ ቆፀራ። ብስውር ዝካየድ ዝነበረ ተግባር ኩሉ ግልፂ ኮይኑ፣ ብሓደ ገፅ መስመር ወያነ ኢህወደግ ፈፂሙ ዘይደልዮ ምዃኑ። ብካልእ ገፅ ድማ ቃልን ተግባርን ካድረታት ኢህወደግ በበይኑ ምዃኑ ብፀሓይ ቀትሪ  ግልፂ ኮይኑ፣ 
    ቅድም ክብል ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ብሕቡእ ናይ ምቕታል ተግባራቶም። ኣብ ዝሕዚ እዋን ቁሉዕ ገይሮም። ናይ ኣፈሙዝ ኣምለኽቲ ኢና ብምባል። ቀትሪ መዓልቲ ናይ ሃገርና ርእሰ ከተማ ኣብ ዝኾነት ከተማ አዲስ አበባ ጥራይ ካብ 200 ንላዕሊ ንፁሃት ወገናትና ካብ ናይ ኣግአዝን ፌደራል ፖሊስን ብዝተተኮሰ አድራጋ ጠያይት ሂወቶም ንኽስእኑ ተገይሩ’ዩ፣ ኣብ ካልኦት ናይ ሃገርና ክፍለ-ሃገራት፤ ከተማታትን ገጠራትን ዝተቐትሉ እንትውሰኹዎ። ብዙሓት አማኢት ዜጋታት ሂወቶም ከም ዝሰአኑ ንምግማቱ ዘፀግም አይኮነን፣ 
   እዚ ብዙሓት ኣካለ ጎደሎ ዝኾኑሉን ኣብቲ እዋን ብዝተፈፀመ ፈርኦናዊ ግፍዒ። ሰላምታ ምልውዋጥ ሓዊሱ ሰብ ምስ ሰብ ንኸይራኸብ ዝኣገደ፤ ብኣሻሓት       ዝቑፀሩ ናይ ቅንጅት ንሓድነትን ዴሞክራስን ፓርቲ አመራርሓ፤ አባላትን ደገፍትን ናብ ቤት ማእሰርቲ እንትዳጎኑ ብዙሓት ድማ ብስውር ተቐቲሎም’ዮም፣ ንአብነ።- ኣብ ብር ሸለቆ ኣብ ዝርከብ  ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝነበሩ እሱራት ማእኸል። ብፀልማት ውፃእ ንምርመራ ትድለ ኣለኻ እናተባሃሉ ተወሲዶም ኣሰሮም ዝጠፍኡን ዘመድ ቤተሰብ ብንቡር ዘይቀበሮም ንፁሃን ዜጋታትና  ኣይንርአዖምን፣
     አብ ውሽጢ’ቲ ቤት ማኣሰርቲ ዝነበረ እሱር “ንምንታይ’ዩ እቶም ብለይቲ እናተፀውኡ ዝኸዱ ዘለው እሱራት ዘይተመልሱ? ንምንታይከ እዩ ለይቲ ጥይት ዝትኮስ ዘሎ’’ ዝብል ሕቶ እንተልዕሉ። ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ተዘዋዊሮም፤ ኣዛብእን ኣኽለባትን ስለ ዝመፁና ንዐኦም ንምቕታል ኢና ንትኩሶ ዘለና ዝተባህለሉ እዋን’ውን ኣብዚ እዋን እዩ፣
    ኣብዝ ሕዚ ግዜ   አባላት ውድብ ቅንጅት ከም ጨው ሓቕቖም ተሪፎም ‘ዮም፣ እዚ ታሪኽ  ንኸይድገም ድማ ዳርጋ ኩሉ መማረፂኡ ኣስተካኺሉ፤ በዚ ምኽንያት ድማ። ከፋፊልካ ግዛእ ብዝብል ዝፍለጥ ማሌሊታዊ መርዚ። ውድብ ሓድነት ኣብ ዘመነ ወያነ-ኢህወዴግ ዘይረአይን ዘይጋጥምን መሲሉ ተቐቢሩ፣ 
   ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ኣብ መበል ራብዓይ ናይ መከራ ቆፀራ 2002 ዓ/ም መርፃ። ቀልቢ ህዝቢ ብምዝባዕ፤ ናይ ሃገርና መፃኢ ዕድል ከስተኻኽል ዝኽእል ፓርቲ ክጠፍእ ምስተገብረ። ብኣንፃሩ 62 ልዕሊ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ፓርትታት ተራእዮም፣ ተቓውምኦም ንምምሳል ኢሎም ዘቕርቡ፤ ኩሉ ስርሖም ናይ’ቲ ስርዓት ከፋፊልክ ናይ ምግዛእ ሕልሚ ተርጎምትን ሰለልትን ኮይኖም ንህዝቢ ከደናግሩ ድማ ጀሚሮም፣ እዚ ድማ ስርዓት ኢህወደግ ኮነ ኢሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን ተመሳሲሉ ንኽነብርን ዝገበሮ ተንኮል’ዩ ነይሩ፣ ምናልባት ካብዚኦም ሓደ ክልተ ሓቀኛታት ተቓወምቲ ውድባት ወላ እንተሃለው። አባላቶም እንትቕተሉ፤ እንትእሰሩ፤ ኣካሎም እንትጎድልን ንብረቶም እንተውረርን ምርአይ ሓዱሽ ተርእዮ ኣይነበረን፣