እዞም ልዕሊ 340 ዝኣኽሉ ኢትዮጵያውያን ሰብ ወልቀ ሃፍቲ ኣብ ክልል
ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ስራሕ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም ህዝቦምን ሃገሮምን
ንኽጠቕሙ ብዝነኣሰ 500 ሄክታር ዝዓበየ ድማ 1500 ሄክታር መሬት
ንኽዋሃቦም ዘቕረብዎ ጥርዓን ብሎሚ ፅባሕ ክሰልጦም ከም ዘይከኣለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ምኽንያት ድማ
ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ገንዘብ ነቶም ሰበስልጣን ወያነ
ኢህወዴግ ብላዕ ንክኸፍሉ ዝቐረበሎም ሕቶ ስለ ዘይተቐበልዎ
ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ሰበስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ ካብ ወፃኢ
ሃገራት ንዝመፁ ልዕሊ 38 ባዕዳውያን ኢንቨስተራት ብዘይ
ዝኾነ ክፍሊትን ከም ዝዓደልዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብ ብሄረ ሰብ በርታ ወፃኢ ንዝመፁ ደቂ ሃገር ዝኾኑ ኢንቨስተራት ድማ ልዕሊ ዓቕሞም ገንዘብ ጉቦ ክኸፍሉ የገድድዎም ምህላዎምን ብሰንኩ ድማ እቲ ዝወጠንዎ ስራሕ
ከቋርፅዎ ከም ዝተገደዱ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ
እቲ ነቶም ባዕዳውያን ዝዕደል ዘሎ መሬት እንተኾነ’ዉን ናይ ድኻታት ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬት ብምምንጣል ከም ዝኾነን
ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ሓረስቶት ግዳይ ምፍንቓልን ድኽነትን ይኾኑ ምህላዎም ተፈሊጡ።