Friday, March 6, 2015

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ስራሕ ኢንቨስትመንት ዝተዋፈሩ ኣስታት 340 ኢትዮጵያውያን ኣፍልጦ ንኽወሃቦምን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዘቕረብዎ ጥርዓን ዛጊድ ፍታሕ ክረኽቡሉ ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ።



     እዞም ልዕሊ 340 ዝኣኽሉ ኢትዮጵያውያን ሰብ ወልቀ ሃፍቲ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ስራሕ ኢንቨስትመንት  ተዋፊሮም ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽጠቕሙ ብዝነኣሰ 500 ሄክታር ዝዓበየ ድማ 1500  ሄክታር መሬት ንኽዋሃቦም ዘቕረብዎ ጥርዓን ብሎሚ ፅባሕ ክሰልጦም ከም ዘይከኣለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  እቲ ምኽንያት ድማ  ልዕሊ ዓቕሞም ዝኾነ ገንዘብ  ነቶም  ሰበስልጣን ወያነ  ኢህወዴግ ብላዕ ንክኸፍሉ ዝቐረበሎም ሕቶ ስለ ዘይተቐበልዎ  ምዃኑ ተፈሊጡ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ  ሰበስልጣን ወያነ-ኢህወዴግ  ካብ ወፃኢ  ሃገራት ንዝመፁ  ልዕሊ 38 ባዕዳውያን ኢንቨስተራት ብዘይ ዝኾነ  ክፍሊትን ከም ዝዓደልዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብ ብሄረ ሰብ  በርታ ወፃኢ ንዝመፁ ደቂ ሃገር ዝኾኑ ኢንቨስተራት ድማ ልዕሊ ዓቕሞም  ገንዘብ ጉቦ ክኸፍሉ የገድድዎም ምህላዎምን ብሰንኩ ድማ እቲ ዝወጠንዎ ስራሕ ከቋርፅዎ ከም ዝተገደዱ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣብ  ርእሲ እዚ ድማ እቲ  ነቶም ባዕዳውያን ዝዕደል ዘሎ መሬት  እንተኾነ’ዉን ናይ ድኻታት ሓረስቶት ናይ ሕርሻ መሬት ብምምንጣል ከም ዝኾነን ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ሓረስቶት ግዳይ ምፍንቓልን ድኽነትን ይኾኑ ምህላዎም ተፈሊጡ።