Sunday, March 8, 2015

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻል ሰራዊት ወያነ ኢህወዴግ ውልቃዊ ረብሓ ዝመበገሲኡ ኣፈላላይን ዘይምቅዳውን ተፈጢሩ ምህላዉ ካብ ውሽጢ እቲ ምክልኻል ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ።



    ብመሰረት‘ቲ ሓበሬታ ቅድም ክብል ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢህወዴግ “ስለ ምንታይ ኣብ ውሽጢ ምክልኻል ሰራዊት ገለ ተረባሓይ ገለ ድማ ተዓዛባይ ንኸውን ኣለና ዝብሉ ቅሬታታት ዝነበሩ እንትኾኑ ነዚ ንምርግጋእ ተባሂሉ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ከተማ  ኣዲስ ኣበባ  ካብ ሻለቃ ንላዕሊ መዝነት ዘለዎም ኣባላት ስታፍ ምክልኻል እቲ ስርዓት ብሜጀር ጀነራል መሓሪ ዘወደ ዝተመርሐ ኣኼባ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብ ውሽጢ እቲ ምክልኻል ዝፍፀም ዘሎ ኣድልዎን  ግዕዝይናን ደው ንኽብል  እቲ ስራዊት ተቓውሞ  እናካየደ ምፅንሑን እንተኾነ ግን ዛጊት ዝተርኣየ ለውጢ የለን  ክብሉ እቶም ተኣከብቲ ከም ዝገለፁን በዚ ኩነታት ዝሰግአ ሜጀር ጀነራል መሓሪ ዘውደ ድማ ስምዒት ናይቶም ኣዘዝቲ ንምርግጋእ ክብል “ፀገም መነባባሮ ዘለኩም መመልከቻ ኣእትዉ’ሞ ክፍተሐልኩም እዩ ብምባል ዘይትግበር መብፅዓ ከም ዝኣተወሎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ። 
በዚ ፈላላይን ዘይትግበርን መብፅዓ ኢህወዴግ ዘይተሰማምዑ እቶም መኮነናት ብወገኖም እቶም ካብ ሻምበል መዓርግ ንታሕቲ ዝለው ኣባላት ሰራዊት እንታይ ዝተገበረሎም ፍታሕ ኣሎ ዝብል ሓሳብ ብምቕራቦም ብሜጀር ጀነራል መሓሪ ዝተውሃቦም መልሲ ድማ ፀገማት ኣለና እናበልኩም ሰራዊት ክተላዓዕሉ ፀኒሕኹም ሕዚ ድማ ፀገማትኩም ክፍትሐልኩም እዩ እንተበልናኩም ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ኢኹም ደሊኹም? ንመን ንምልዕዓል እዩ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ተቕርቡ ዘለኹም ብምባል ከም ዘጉባዕበዐሎምን ብዘይ ምርድዳእ ከም ዝተበተኑን ተፈሊጡ።