Saturday, January 13, 2018

ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እቲ ስርዓት ዝነበሩ ዜጋታት ሃገር ብምኽዳዕን ናይ ሽብር ገበን ኣብ ምፍፃምን ተሳቲፍኩም ኢኹም ብዝብል ተኸሲሶም።

ወታደራዊ ዕርዲ ሰሪሕኹም ኢኹም ተባሂሎም ክሲ ዝተመስረቶም 9 ዜጋታት ብፅኑዕ ቤት ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ተወሲኑ።

አብ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝተምሃሩ 3000 ናይ ጥዕና ሰብ ሞያ በቲ ስርዓት አፍልጦ ረኺቦም ተባሂሉ።

ናይ ክልላት ኦሮሞን ኢትዮጵያ ሶማሌን ግጭት ዘብፀሖ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ ምኳኑ ተገሊፁ።

ናይ ፖለቲካ እሱራት ናይ ምፍታሕ ከይዲ እንዳተጓተተ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሽመት ፈፀምቲ ስራሕ ንምፅዳቕ ኣብ ዘሳለጦ ህፁፅ ጉባኤ ብኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዘቕረብዎ ወሰንቲ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ብዘይምክኣሎም መዘራረቢ ጉዳይ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።